Sunday, April 27, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ጎሹ መንበሪ ገዝኦም ብትእዛዛ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ይፈርስ ምህላዉ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ   ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዓዲ ጎሹ ዝነብሩ ዜጋታትና ንነዊሕ ዓመታት  ክነብሩሉ ዝፀንሑልዕሊ 30 ገዛውቲ ዝፈረሰ እንትኸውን ሕዚ’ውን ልዕሊ 20 መንበሪ ኣባይቲ  ብትእዛዛ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ  ይፈርስ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከምሳዕቤኑ ድማ እዞም ወገናት  ምስ ስድረኦም ኣብ በረኻ ተደርብዮም ግዳይ ፀሓይን ቁርን ኮይኖም ኣብ ከቢድ ፀገም ምህላዎም ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  እዞም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብሕጋዊ መንገዲ መስርሒ ገዛ መሬት ተዋሂብዎም  ብዙሕ ናይ ጉልበትን ንዋትን ኣፍሲሶም ብምስራሕ ክነብሩሉ ዝፀንሑ ገዛውቶም ብዘይ ሓደ ቅድመ ድልውነትን ካሕሳን ብሃንደበት  ይፈርስ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ነዚ ዘይሕጋዊ ምፍራስ ገዛውቲ ዝተቓወሙ ዜጋታትና ድማ  ናብ ከተማ ሑመራ ተወሲዶም ብኣማሓደርቲ ከተማ ዓዲ ጎሹ ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ምስ ተዳጎኑ መንበሪ ገዛኦም ዝፈረሶም ዜጋታት ማሙ ኣዶጉን ገብረመስቀል  ጉዑሽን ካልኦትን ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።