Sunday, April 27, 2014

ኣብ ክልል ትግራይ ኣማሓደርቲ ወረዳ እንደርታ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ዘይኣመነሉ ገንዘብ ከዋፅእ የገድድዎ ከም ዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  ኣብ ከተማ ኲሓ ዝነብሩ  ካድረታትን ኣማሓደርትን  ወረዳ  እንደርታ ንነባራይ እቲ  ከባቢ ገንዘብ ከዋፅእ የገድድዎ እኳ እንተሃለዉ  እቲ ህዝቢ  ዝቐደመ  ንመሰረት ልምዓት ኢልና ዘዋፃእናዮ ገንዘብ ኣብ ወልቃዊ መነባብሮኹም ስለዘውዓልኩሞ  ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣይነዋፅእን ብምባል ከም ዝተቃወምዎ ተፈሊጡ።

         እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ኣማሓደርቲ ሓሳቦም ብምቕያር እተዋፅእዎ ገንዘብ  ኣብ ውሽጢ ከተማና ንዝስራሕ  ፅርጊያን ንኮብልስቶን ምንፃፍን ዝውዕል እዩ  ዋላ እንተበልዎም  ነበርቲ ብወገኖም ደጊም ሰሪሕና ንዓኹም ዘይኮነስ ደቅና ኽነዕብየሉ ኢና ብምባል ከም ዝመለሱሎም ካብ ከተማ ኲሓ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

       ኣብ መወዳእታ በቲ ናይ ህዝቢ እንደርታ ናይ ኣብያ መልሲ  ዝሰግኡ ካድረታት ወረዳ እንደርታ ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም እንታይ ኮይንኩም ትእዛዝ መንግስቲ ዘይተተግብሩ  ኣብ መንጎኹም ፀላኢ ኣትዩ ኣሎ ብምባል የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።