Sunday, April 27, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ብ14/ሚያዚያ 2006 ዓ/ም ኣባይ ወልዱ ዝመርሖ ብናይ ክልል ትግራይ ሰበስልጣን ንነበርቲ ከተማ ሽረ ዝተገበረ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተበተነ ተሓቢሩ።



ብመሰረተ ዝተረከበ ሓበሬታ እቲ ኣባይ ወልዱ፤ ኣባይ ፀሃዬ፤ ዶ/ር ደብረፅዮን፤ ወ ቅዱሳን ነጋን፤ ካልኦትን ዝርከብዎም ንነባሪ ህዝቢ ከተማ ሽረ ንምዝርራብ ዝፀውዕዎ ኣኼባ ዝበዝህ ህዝቢ ኣብቲ ዝተፀወዐ ኣኼባ ንዘይምስታፍ ካብ ምኻድ እንትዕቀብ እቲ ተረኺቡ ዝተበሃለ’ውን እንተኾነ ነቲ ኣኼባ ረጊፅዎ ከም ዝወፀ ተፈሊጡ።

       እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነበርቲ ከተማ ሽረ ኣብቲ ኣኼባ   ብበተራ ከም ዝገለፅዎ “እዚ ስርዓት ናብ  ወልቀ መላኻይነት ስለዝተቐየረ ንስኹም ድማ ናቱ ኣካል  ሰለዝኾንኩም ምሳና ዘዘራርብ የብልኩምን ንሕና ድማ ናታትኩም ዓጀብቲ ኣይኮናን “ ብምብል ነቲ ኣኼባ  ረጊፆሞ ከምዝወፁን ገለ  ካብቶም ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ዝወፁ ነበርቲ ኣይተ ሳልሕ ዓብደላ፤ ኣይተ ተስፋይ፤ ኣይተ ገብረኪዳን ሓኪም ፤ ዶ/ር መዓሾን ካልኦት  ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   እቶም ሰበስልጣን በቲ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ  ብምስንባዶም ነቲ ኣኼባ ረጊፁ ዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ  ንምምላስ  “በደል እንተለና ከነስተኻኽል ኢና  ብምባል ከረጋግእዎ ዋላኳ እንተፈተኑ” እቲ ነባራይ ህዝቢ ግን ክሰምዖም ከም ዘይከኣለ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ናብቲ ኣኼባ  ኣይንሳተፍን ብምባል ካብ ዝኣደሙ ነበርቲ ሓደ ነባር ኣባል ህወሓት ዝኾነ ኣይተ ግርማይ ኣስገዶም  ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ምኻኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ።