Monday, April 28, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ መንእስያት ከተማ ሽረ ብኣዘዝቲ ፖሊስ እታ ከተማ ሰሪሖም ዝኣከብዎ ገንዘብ እናተመንጠሉ ይእሰሩ ምህላዎም ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




መንእስያት  ከተማ ሽረ   ኣብ ምንፃፍ  እምኒ / ኮብልስቶን/  ስራሕ  ተዋፊሮምን ረሃፆም ኣፍሲሶምን  ዝኣከብዎ ገንዘብ  ኣዘዝቲ ፖሊስ ከተማ ሽረ ምቐሉና ብምባል ከገድድዎም ምስ ጀመሩ  እቶም መንእስያት ብወገኖም ደኺምና ዘምፃእናዮ ገንዘብ ኣይንህብ ኣይንመቅል ብምባሎም   ጥራሕ ሰሪቕክሞ ኢኹም ብዝብል ጠቐነ ገንዘቦም እናመንጠሉ  ይኣስርዎም ከም ዘለዉ  ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

   ካብቶም  ገንዘብና ኣይንህብን ዝበሉን ብኣዘዝቲ ፖሊስ ከተማ ሽረ ብ12 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ዝተእሰሩ ወገናትና ገለ ንምጥቓስ ባሻይ ታረቀ፤ግደይ ኣለምሰገድ፤መኮነን ታፈረ፤ጌታቸው ኣለም ፀሃይን ካልኦትን ምኻኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ኣብዚ ናይ ምግፋዕ ተግባር ዝተዋፈሩ ኣዘዝቲ ፖሊስ ድማ ምክትል ኮማንደር ኪደነን፤ጎሹን ዝተባሃሉ ኮይኖም   ነቶም  ዝፈፀምዎ ገበን ዘየብሎም ብረሃፆም ዝናበሩ መንእስያት ኣብ በዓል ፋሲካ ብምእሳርን መሰል ዋሕስ ብምኽልካል ኣሲሮም የሳቕይዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።

    ብተመሳሳሊ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ንከተማ ሽረ ምምፀኦም ዝፈለጡ ልዕሊ 140 ዝኣኽሉ  ነበርቲ ከተማ ሑመራ  ብዝዕባ መሬት ዝምልከት ጥርዓን ንምቕራብ ንከተማ ሽረ ምኻዶም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።