Sunday, April 27, 2014

ኣብ ማእኸላይ እዝ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ምልዕዓል ትገብሩ ኣለኹም ዝተብሃሉ መኮነናት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ብ26 መጋቢት 2006 ዓ/ም ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ  ምኽንያት መእሰሪ እቶም ወተሃደራት ንሰራዊት ናይ 7ተ ዓመት ኣገልግሎት ኣይንፍርምን ንኽብል ጎስጒስኩም ዝብል ኮይኑ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣባላት ሰራዊት ሻምበል ብሳሳ ጭሉ ኣብ መበል 31 ክፍለሰራዊት  ናይ ቀዳማይ ሬጂመንት ኣዛዚ ብሓላፍነት  ክሰርሕ ዝፀንሐ፤ ሓለቓ ሚእቲ ኣብርሃ ተስፋይ ኣብ ሬጂመንት ክልተ ብሓላፍነት  ክሰርሕ ዝፀንሐ፤  ሓለቓ ሓምሳ ኣስረስ ባዩ ካብ ረጅመንት ክልተ ብሓላፍነት ክሰርሕ ዝፀነሐን ተራ ወታሃደር ሽዋንግዛዉ ታኣምራት ካብ ሬጅመንት ሰለስተን እንትኾኑ፣ ኣብ ከባቢ ባድመ ተእሲሮም ከም ዘለዉ  ካብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ሊሒኹ ዝመፀና ሓበሬታ ኣረዲኡ።