ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ምኽንያት መእሰሪ እቶም ወተሃደራት ንሰራዊት ናይ 7ተ ዓመት ኣገልግሎት
ኣይንፍርምን ንኽብል ጎስጒስኩም ዝብል ኮይኑ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣባላት ሰራዊት ሻምበል ብሳሳ ጭሉ ኣብ መበል 31
ክፍለሰራዊት ናይ ቀዳማይ ሬጂመንት ኣዛዚ ብሓላፍነት ክሰርሕ ዝፀንሐ፤ ሓለቓ ሚእቲ ኣብርሃ ተስፋይ ኣብ ሬጂመንት ክልተ
ብሓላፍነት ክሰርሕ ዝፀንሐ፤ ሓለቓ ሓምሳ ኣስረስ ባዩ ካብ ረጅመንት ክልተ ብሓላፍነት ክሰርሕ
ዝፀነሐን ተራ ወታሃደር ሽዋንግዛዉ ታኣምራት ካብ ሬጅመንት ሰለስተን እንትኾኑ፣ ኣብ ከባቢ ባድመ ተእሲሮም ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ሊሒኹ ዝመፀና ሓበሬታ ኣረዲኡ።