Sunday, April 27, 2014

ኣብ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ኣቐዲሙ ብ28 መጋቢት 2006 ዓ/ም ንዝተቐተለ ኣባሎም ስለምንታይ ቀታሊ ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ዘይቐርብ ኢሎም ዝሓተቱ ኣባላት ኣድማ ኣልዒልኩም ተባሂሎም ምምሕዳራዊ በደል ይፍፀሞም ከምዘሎ ተሓቢሩ።




ኣብ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ኣብ ስታፍ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ደረጀ ካሳየ ዝተብሃለ  ብ28 መጋቢት 2006 ዓ/ም ዝተቐተለ እንትኸውን ቀታላይ ስለምንታይ ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ዘይቐርብ ኢሎም ሕቶ እንተልዕሉ ነቲ ነገር ተቐቢሩ ክተርፍ ዝደለዩ ሓለፍቲ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ድማ ነቶም ሕቶ ዘቕረቡ ሰባት ኣድመኛታት ብምባል ካብ  ወርሓዊ ደመወዞም ሓሙሽተ ሚታዊ  ቆሪፆም ብምቕፃዕ ካብ ዝነበርዎ ኣሃዱ ከም ዝበተንዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

    ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዞም ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ብምቕራቦም ጥራሕ ኣድመኛታት ተባሂሎም ንመቕፃዕትን ምብትታንን ካብ ዝተዳረጉ ወተሃደራት ሓለቓ ሚእቲ ኣስራት ተሾመ ሓለቓ ዓሰርተ ኣቡ ማርቆስን ካልኦትን እንትኾኑ እዚ ዝተወሰደ ስጉምቲ ድማ ኣብ መላእ ኣባላት እታ ክፍለ ሰራዊት ምልዕዓላት ፈጢሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
 
      ብተመሳሳሊ ኣብ 8 መከናይዝድ ሓላፊ ስለያ ዝኾነ ሻለቃ መብራህቱ ዝተብሃለ ንሰራዊት ተለዓዕልን፤ ጥይት ትሸይጥን ኢኻ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኮኾብ ኣብ ዝርከብ ናይ’ቲ እዚ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ እቲ እስር ቤት ዝበፅሐና ሓበሬታ የመልክት።