ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም
ሕፅረት ኤሌክትሪክ ኣጋጥምወን ካብ ዘለዋ ከተማታት ብርሸለቆ፤ ማንኩሳ፤ ቡሬ፤ ፍኖተሰላም፤ ደምበጫን ጅጋን ካብ ሓደ መሰመር ኤሌክትሪክ
ስለ ዝጥቀማ ካብ 16 መጋቢት 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ኣገልግሎት መብራህቲ ጠጠዉ ስለ ዝበለ ብምልኦም ኣብ’ዘን ከተማታት ዝርከቡ ብኤሌክትርክ ዝሰርሑ ትካላት ንኽሳራ ምቅላዖም ተገሊፁ።
ብተወሳኺ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምቁራፅ ኤሌክትሪክ
ኣብ መነባብሮ ሕብረተሰብ እተን ከተማታት ሽግር ብምፍጣሩ ነበርቲ ብወከልቶም ኣቢሎም ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ናብ ዝርከብ ቤት
ፅሕፈት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምኻድ ኣብየት ኣዝበልሉ ግዜ ሓለፍቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ናይ ቴክኒክ ፀገም እዩ ምንም ክንገብር
ኣይንኽእልን ብምባል ተስፋ ዘይህብ መልሲ ህቦም ከም ዝመለስዎምን ዛጊድ ፍታሕ ከም ዘይተረኸበሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።