Friday, April 4, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ዝተፈላልዩ ምስሉይ ዝኾነ ምኽንያታት እናፈጠሩ ንነባሪ ህዝቢ ገንዘብ ኣዋፅእ እናበሉ የገድድዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።



      እቶም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ካድረታት ንነበርቲ እታ ከተማ ንመስርሒ ኣስፋልት ፅርጊያ ዝውዕል ገንዘብ ኣዋፅእ ምስ በልዎ ህዝቢ ብወገኑ  ኣብ ዝሓለፈ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለየ ኣሽማት ዘዋፃእናዮ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ሰለ ዘይዋዓለ ሕዚ ነዋፅኣሉ ምኽንያት የለን ክብሉ ከም ዝተቃወሞም ካብቲ ከባቢ ዝበፃሓና ሓበሬታ  ኣመልኪቱ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  በዚ ምስላጥ ዝዓበዮም ካድረታት ኢህወዴግ ኣካይዳኦም ብምልዋጥ ናይ ቀደም ናይ ህወሓት ቪድዮታት ዝሓዘ ዲቪዲ ካሰት ኣዳልዮም መጠኑ ብዝሓለፈ ዋጋ ህዝቢ ብዘይ ድልየቱ ንኽዕድግ የገድድዎ ምህላዎም ኣረዲኡ።