Tuesday, April 8, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከባቢ ልጉዲ እንዳበሽር ኣብ ዝተብሃለ ናይ ሕርሻ መሬት ዝነብሩ ዜጋታትና ብፈደራል ፖሊስ ይግፍዑን ይቕተሉን ከም ዘለዉ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ከባቢ ልጉዲ ናብ እንዳበሸር ናይ ሕርሻ መሬት  ዝተዋፈሩ ፈዴራል ፖሊስ ክንፍትሽ ኢና ብዝብል ምኽኒት ብ21 መጋቢት 2006 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ግፍዕታት ከም ዘፈፀሙ ብፍላይ ኣብ ደምበ ኣይተ ፀጋይ ኣርኣያ  ብምእታዉ ኣብኡ ንዝፀንሑ 4 ጓሶት  ብጭካነ  ምስ ቀጥቀጥዎም መውቃዕቲ ዝበዝሖም ጓሰት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ንክልተ ብጥይት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ።

እቶም ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ብፈዴራል ፖሊስ ዝተቐትሉ ንፁሃት ዜጋታትና ካሕሱ ኣስረስን፤ ታፈረ ደሳለኝን እንትኾኑ ምስ’ቶም ዝተቐተሉ ዝነበሩ ክልተ ጓሰት ሃዲሞም ማይ ካድራን ሑመራ ናብ ዝርከብ ምምሕዳር ብምኻድ 2 ጓሰት  ብፈዴራል ፖሊስ ተቐቲሎም ኢሎም ዋላ’ኳ ሓበሬታ እንተቕረቡ ኣማሓደርቲ ግን ነቲ ዝተፈፀመ ገበን   ሸለል ኢሎም ከም ዝሓለፍዎ ዝተዓዘቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ሓያል ተቓውሞ ከም ዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።