Sunday, February 1, 2015

ኣብ ትግራይን ዓፋርን ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ኣብ እዋኑ ፍታሕ ብዘይምርካቡ ቅሬታ ሒዙ ዝፀነሐ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ፍትሓዊ መረፃ የለን ብምባል ነቲ ዝካየድ ዘሎ ምዝገባ መረፃ ከም ዝነፀጎ ተገሊፁ።


ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ሞንጎ ነባሪ ህዝቢ ዉህደትን እሰትን ተባሂለን ኣብ ዝፅዉዓ ጣብያታት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ተፈጢሩ ብዝነበረ ግጭት ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ቆላሕታ ስለ ዘይገበረሉ ልዕሊ 10 ንፁሃት ሰባት ዝተቐተሉ እንትኾኑ ሕዚ ብካድረታት እቲ ስርዓት ንመረፃ ተመዝገቡ፤ ካርድ ዉሰዱ ምስ ተብሃሉ ኣብ ትሕቲ ኢህወዴግ ሕጋዊ መረፃ ስለ ዘየለ ንመን ክንመርፅ ኢና ንምዝገብ ብምባል ከም ዝነፀግዎ ተሓቢሩ።
   ብፍላይ ብተሪር ምላሽ ተቓዉሞ እቲ ሕብረተሰብ ዝቐሓሩ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ንነባሪ ህዝቢ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣብያ ዉህደት ሕዚ መዓልታዊ ኣኼባ እናበሉ ካብ ዕለታዊ ስራሕቱ ነፂለሞ ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ እቲ ህዝቢ ንሕና ሎሚ ይኹን ፅባሕ ዉሕስነት ንዘይህበና ዉድብ ኣይንመርፅን ካብኡ ወፃኢ ድማ ክንመርፅ ዕድል ስለ ዘየለ ኣይንምዝገብን ብምባል ነቲ ጎስጓሳዊ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ነፂገሞ ከም ዘለዉ ኣገንዚቡ።