Tuesday, April 8, 2014

ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ተባሂሉ ዝጓዓዓዝ ዝነበረ ሰሚንቶን ካልኦት ንብረትን ኣብ ከተማ ጎንደር ንወልቀ ነጋዶ ይሽየጥ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቲ ካብ ደረባ ዝተባህለ ሰሚንቶ ፋብሪካ ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ተባሂሉ  ብዓበይቲ መካይን ዝጓዓዓዝ ዝነበር ሰሚንቶ ኣብ ከተማ ጎንደር  ምስ በፅሐ  ብ22 መጋቢት 2006 ዓ/ም ለይቲ ንወልቀ ነጋዶ  ከም ዝተሸጠ   ዝገለፀ’ቲ ሓበሬታ  ካብ’ተን ተፃዒነን ዝነበራ ዓበይቲ መካይን ሓንቲ ድማ ኮድ 3 ቁፅሪ ታርጋ 019256  ኣዲስ ኣበባ  ምዃና  እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።

   ካብ’ቲ ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ተባሂሉ ዝጓዓዓዝ ዝነበረ ሰሚንቶ ምስ’ቶም ኣካየድቲ ስራሕ ተመሻጢሩ ካብ ዝገዝኡ ወልቀ ነጋዶ ሓደ ሃለቃ ክፍላይ ኣለም ዝተብሃለ ብንግዲ ዝመሓደር ነባራይ ከተማ ጎንደር ከም ዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

  ከም ዝፍለጥ  ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍ ደቁ እናተመንዘዐ  ንመስርሒ ግድብ ኣባይ  እናተብሃለ ዝእከብ ዘሎ  ገንዘብ  ቁፅፅር ዝገብረሉ ኣካል ስለ ዘየለ  መህፍተሚ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ምውዓሉ ዘሕዘኖም ነበረቲ ከተማ ጎንደር መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።