Thursday, May 1, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ሰማያዊ ፓርቲ ብ16 ሚያዚያ 2006 ዓ/ም ንኣስታት 5000 ኣባላቱ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ ኣባላት እቲ ውድብ ብካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ይእሰሩ ምህላዎም ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ኣባላት  ተቓወምቲ ወድብ ሰማያዊ ፓርቲ  ብ16 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ኣብ  ሳሪስ፤ ጎተራ፤ ተክለሃይማኖትን ከምእዉን  ኣብ ኣምቦ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ጎስጓስ ምክያዶም ድሕሪ ምግላፅ  ፌደራል ፖሊስ እታ ከተማ ግን  መሰል ህዝቢ ብምግፋዕ ንብዙሓት ኣባላት ተቓወምቲ  ብበትሪ  እናቐጥቐጡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎንዎምን ካብቶም ዝተኣስሩ ሓደ ኢንጂነሪ ካሱ ኢላላ ዝተብሃለ መንእሰይ እንትኾን  ካብ ከባቢ ኣምቦ  ጨዉዮም ብምዉሳድ ኣበይ ከም ዘእተዉዎን ዛጊት ኣድራሻኡ  ከም ዘይተፈለጠን ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

    እዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ስልጣን ብዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ዝፍፀም ዘሎ በደልን ግፍዒን ናይ ሓደ ውልቀመላኺ ስርዓት ናይ ውድቀቱ ምልክት እዩ ክብሉ ገለ ወገናት ይዛረብሉ ከምዘለው ዝበፀሐና ሓበሬታ የረድእ።