Thursday, May 1, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ መንጎ መቐልቲ መሬት ዝኾኑ ካድረታት ወያነን ህዝብን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከም ዝተኣሰረ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሰፊሕ መሬት እንዳሃለወ ኣብ መቐሎ ብኣድልዎ  ይስራሕ  ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፅኢቱ ድማ  ነበርቲ በቶም ኣማሓደርቲ ዝወረደ መምርሒ ብምቅዋም  ናብቲ መቐሎ መሬት ዝካየደሉ ከባቢ ኣይንኸይድ ስለዝበሉ  በቶም ካድረታት ተዳልዩ ዝነበረ መደብ  ብኡ ንብኡ ተሳናኺሉ ከም ዝተረፈ ተፈሊጡ።

    እቶም ዓደልቲ መሬት ድማ  ናብቲ ናይ መሬት ዕደላ ንበይኖም ከይዶም ኣብኡ በፂሖም ብዘይ ሓደ ፍረ ከም ዝተመለሱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በዚ ናይ ህዝቢ ተቃውሞ  ዝሰግኡ  ሰበስልጣን እቲ ስርዓት  ነበርቲ ብመሬት ዕደላ ኣሳቢቦም ካልእ ምልዕዓል ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም  ንዝጠርጠርዎም ካብ 150ን ንላዕሊ ዝኾኑ ንፁሃት ወገናትና ብ15 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ካብ መንበሪ ገዝኦምን ስረሖምን ብምእካብ  ከም ዝኣሰሮም እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ  ወሲኹ ኣረዲኡ።