Sunday, May 4, 2014

ብ17 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ካድረታት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ናይ መሬት መቐሎ ንምግባር ኣብ ዝተበገስሉ እዋን ኣብ መንጎ ህዝብን ካድረታት እቲ ስርዓትን ሓያል ግጭት ተፈጢሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ  ኣብ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ ማይ-ጋባ ፍሉይ ሽሙ ማይ ሑመር ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ነቲ ብካድረታት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝተሓሰበ ናይ መሬት መቐሎ ክካየድ  ህዝቢ ስለ ዘይተቐበሎም ኣብ መንጎ ህዝብን እቶም ካድረታትን ሓያል ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝነበረን። በዚ መሰረት 4 ሰባት እንትሞቱ 3 ሰባት ድማ ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ሽረን ሑመራን ይሕከሙ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
 
   ዝርዝር ኣስማት ናይ ዝሞቱ ሰባት  
1.             ነጋ ኣስፋው ናይ መሬት ፅንዓትን መቓልን
2.             እንዳልካቸው ከበደ ናይ ጣብያ መሬት ዲስክ
3.             ተፈራ መኮነን ናይ ቁሸት መሬት ፅንዓት
4.             ፋሲል ምሕረትየ ኣባል ዓብዪ ዓዲ መሬት ዝመቅል እንትኾኑ
እቶም ብከቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ድማ፦
1.             ምሕረትየ ኣለባቸው
2.             ካሕሳይ መኳንንት
3.             ኢስጠር እንዳርጋቸውን  እንትኾኑ እዞም ኩሎም ዝቖሰሉን ዝሞቱን ቀታሊኦም መን ምዃኑ ከም ዘይተፈለጠ ካብቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

     ነቲ ህዝቢ ከረጋግእ ተባሂሉ ሓላፊ ኣብያተ ህንፀት ዝኾነ ፈረደ የሺህ ወንድም ተወለዲ’ቲ ከባቢ ስለዝኾነ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ከም ዝተልኣኸን ንሱ ድማ ነበርቲ ኣኪቡ ከዘራርቦም ምስ ጀመረ ህዝቢ  ከምዚ ዓይነት ምሕደራ ክሳብ ዘየቋረፅኩም ምእንቲ መሬትና ውግእ ክንቅፅለሉ ኢና ዝብል መልሲ ከም ዝሃብዎን በዚ መሰረት ድማ እቲ ናይ መሬት መቐሎ ንግዚኡ ጠጠው ንክብል ከም ዝኣዘዘን ተፈሊጡ።