Sunday, May 4, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ኣምሓዳሪ ጣብያ ሰላም ዝኾነ ካድረ እቲ ስርዓት ንምምቃል መሬት ንበረኻ ኣብ ዝወረደሉ እዋን ብጥይት ከም ዝተሳሕት ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።



እቲ ብ16 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ዝዕደል መሬት ከፅንዕ ንበረኻ ዝወፈረ ኣምሓዳሪ ጣብያ ሰላም ኣበባዉ ፀጋይ ዝተብሃለ ካድረ ወያነ ኣብቲ መፅናዕቲ ዘካይደሉ ዝነበረ በረኻ ብዝፀንሑ  መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ጥይት ከም  ዝተኮሱሉ እቲ  ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ኣመሓዳሪ ጣብያ ሰላም ኣይተ ኣበባዉ ፀጋይ  ሂወቱ  ካብቲ ዝተተኮሰ ጥይት ንስንክላ ተሪፋ ካብቲ ቦታ ሃዲሙ ከም ዘምለጠ  ድሕሪ ምግላፅ ከም ዉፅኢቱ ድማ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ፍርሕን ዕግርግርን ስለ ዝተፈጥረ ፌደራል ፖሊስ መፂኦም  ከረጋግእዎ ዋላ እዃ እንተፈተኑ፣ ዛጊት ግን እቶም ጥይት ዝተኮሱ ሰባት መንነቶም ከም ዘይተፈልጡ  ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም።።