Sunday, May 4, 2014

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ካብ ነበርቲ ጣብያ ዓዲ ፍታዉ ተሓባበረትን ደገፍትን ዴምህት ኢኹም ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጊኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እዞም ነበርቲ ጣብያ ዓዲ ፍታው ዝኾኑ ዜጋታትና ደገፍትን ተሓባበርትን ውድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ/ዴምህት/ ኢኹም ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ጭጎኖ  ተኣሲሮም ይሳቐዩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት ኣይተ ገብረኣብዝጊ ተኽለሃይማኖት፤ ኣይተ ገብረስላሰ ተኽላይ፤ ኣይተ ገብረሚኪኤል ገብረክርስቶስን ካልኦትን ምዃኖም ተፈሊጡ።
      
    እቲ ሓበሬታ  ኣስዒቡ ነዞም ንፁሃት ዜጋታት ብናይ ሓሶት ጠቐነ   ወገናትና ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጉኑ ዘለዉ  ካድረታት ስርዓት ወያነ  ሓላፊ ምልሻ ናይቲ ከባቢ ፀረ-ህዝቢ ነጋሲ ገብረ መድህንን ምክትሉ መጋልን ከም ዝኾኑ  ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

    ብተመሳሳሊ ካብቲ ወረዳ ከይወፃእና ኣምሓደርቲ  ጣብያ ዓዲ ፍታው  ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብዘይ ድልየቱ ንሓደ ገባር 2 ኩንታል መዳበርያ ክወስድ ብምግዳድ ናብ ዕዳ የእትውዎ ሰለ ዘለዉ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ካብቲ ከባቢ ዝፅፃሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።