እቶም ኣዘዝቲ
ክፍለ-ሰራዊታት ነቲ በብእዋኑ ብወተሃደራት ዝለዓል ዘሎ ናይ ስንብት ሕቶን ካልእ ናይ መሰል ሕቶታትን መበገሲ ብምግባር ናብ
ዝኸፍአ ጫፍ ከይበፅሕ ብምስጋእን መንበረ ስልጣኖም ኣብ መፃኢ ዓመተ 2007 ናይ ህዝቢ ድምፂ ክረኽቡ ከም ዘይኽእሉ ብጋንኡ
ኣብ ስግኣት ስለዝወደቑ ሰራዊት ብምእካብ ‘ንኹሉ ሰራዊት ኣብ ዓዱ መንበሪ ገዛ ሰሪሕና ክነረክብ ኢና ካብ ዓቃቢ
ሰላም ዝኣተወ ገንዘብ 25% ንኩሉ ሰራዊት ኣብ ባንኪ ሕሳብ
ክንገብረሉ እና” እናበሉ ዘይትግበሩ መብፀዓታት ዋላኳ እንተተዛረቡ እቶም ተሰናቢትኩም ተባሒሎም ንበይኖም
ተፈልዮም ናይ ስንብት ደባዳበ ዝፅበዩ ዘለዉ ላዕለዎት መኮንናት ዝርከብዎም ወተሃደራት ከም ዘይተቀበልዎ
ተፈሊጡ።
ካብቶም
ተፈልዮም ናይ መሰናብቲ ወረቐት ዝፅበዩ ዘለዉ ላዕለዎት መኮንናት
ገለ ንምጥቃስ
1. ኮኔነል
ፀጋይ ግርማይ ናይ ምክልኻል ተሓጋጋዚ ፖለቲካ ሓላፊ
2. ኮኔሬል
ዓፈራ ናይ ሰሜን እዝ ናይ ጀነራል ሰዓረ መኮነን መማኸሪ ዝነበረ
3. ኮኔነል
ንጉሰ ወ/ ጨርቆስ ናይ መበል 11 ክፍለ-ሰራዊት ኣዛዚ እንትኾኑ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ግን ከኣ ንምስንባት ዝተዳለዉ ካብ ናይ መበል 21 ክፍለ-ሰራዊት ኣዘዝቲ ሰራዊት
1. ሻለቃ
ኣደራጀው ተኽሉ ናይ ሬጅመንት ፖለቲካ ሓላፊ
2. ሻለቓ
ሸጋው ኣለሙ ናይ ሬጅመንት ምኽትል ኣዛዚ
3. ሻለቃ
ጉዑሽ ናይ ሬጅመንት ምክትል ኣዛዚ
4. ሻለቃ
ፀጋይ ናይ ሬጅመንት ምክትል ኣዛዚ
5. ሻምበል
ቀድሬላ ናይ ክፍለ ሰራዊት ናይ ወተሃደራዊ ሰለያ ሓላፊ እንትኾኑ
ብተመሳሳሊ
ዝኾነ ኣባል ወተሃደር ካብታ ፍቓድ ዝሓተተላ ጊዜ ጀሚሩ 10
መዓልቲ ኣሕሊፉ ናብ ኣሃዱኡ ዝተፀምበረ ወተሃደር
ምኽንያት መዘንግዒኡ ከይተሓተተ ከም ሓደ ገበነኛ ተቖፂሩ ብዘይ ዝኾነ
ይኹን ናይ ስንብታ ወረቐትን መጣየሲ ገንዘብ ይባረር ዝብል ሓድሽ ሕጊ ወፅዩ ምህላዉ ድማ ካብ’ቲ ምክልኻል ሰራዊት ዝወፀ
ሚስጢር የረድእ።