Saturday, May 31, 2014

ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ብዘሎ ናይ ምስንባት ሕቶ ዘበገሶ ሕንፍሽፍሽ ምኽንያት ብሚኒስትር ምክልኻል ሲራጅ ፈርጌሳን ጀነራል ሳሞራን ዝተመርሐ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ናይ ኣዘዝቲ እዝታትን ክፍለ-ሰራዊታትን ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብቲ ካብ 10 ግንቦት ክሳብ 15 ግንቦት 2006ዓ/ም ንሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልታት ብሚኒስተር ምክልኻል ስራጅ ፈርጌሳን ሳሞራ የኑስን እናተመርሐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “መኮንናት ክበብ” ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ እቶም መራሕቲ እዝታትን ክፍለ-ሰራዊታትን  ነቲ ናይ ምስንባት መደብ ክትግበር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዋላኳ  እንተቕረቡ በቶም ሓለፍቲ ምክልኻል ሚኒስተር ግን  ካብ ሓደ ክፍል ሰራዊት  ኣስታት 630 ወተሃደር ይሰናበት ስለ ዘሎ ክኸውን የብሉን ዝብል መምርሒ ከምዘውረዱን እቲ ኣኼባ ድማ ብዘይ ስምምዕ ከም ዝተበተነ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

   እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ 7ተ ዓመትን 10 ዓመትን ኣገልግሎቶም ዝወድኡ ወተሃደራት ንኽሰናበቱ ብዝወፀ መደብ ካብ ሕድ ሕድ ሬጅመንት ካብ 60 ክሳብ 80 ዝኣኽሉ ወተሃደራት ክትሳናበቱ ተባሂሎም ንበይኖም ተፈልዮም  ድሕሪ ምቕናዮም  እንተኾነ ግን በቲ ናይ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምክልኻል ብሰንኪ ዘይምስምምዖም እቲ ናይ ምስንባት መደብ ተግባራዊ ከም ዘይኮነ ተፈሊጡ።