Thursday, May 1, 2014

ኣብ ክልል 3ተ ከተማ ዓብደራፍዕ ዝርከቡ ኣባላት ፖለስን ምክልኻል ሰራዊትን ናይ ህዝቢ መነንት ወረቐት እናሕደጉ ይቐድዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ከተማ ዓብደራፍዕን ከባቢኡን  ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ናይ ነበርቲ መነንት ወረቐት ብሓይሊ እናመንጠሉ ይቐድዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፅኢቱ  ድማ ነበርቲ ካብን ናብን ተንቀሳቒሶም ዕለታዊ ስራሕቶም ክሰርሑ ብምፅጋሞም ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።

     ነበርቲ ነቲ በቶም ዕጡቓት  ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣሰራራሓ መፍትሒ ክግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከይዶም ጥርዓኖም እንተቕረቡ ዝረኸብዎ ምላሽ” ን2007 ዓ/ም ንዝካየድ መረፃ ምኽንያት ብምግባር ሓዱሽ መንነት ወረቐት ክዋሃብ’ዩ ነዚ ዘየተግበረ ድማ ከም ወዲ ዜጋ ኣይቑፀርን ክብሉ ከም ዘፈራርሕዎም  ካብ’ቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።