Thursday, May 1, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ መተማ ሽንፋእ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ ኣብ መንጎ ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ብዝተኸፍተ ተኹሲ ብዙሓት ከም ዝሞቱን ብርክት ዝበሉ ድማ ከም ዝቖሰሉን ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



እቲ ብ17 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ኣብ ከባቢ መተማ ሽንፋእ ኣብ ዝተብሃለ በረኻ   ኣብ መንጎ ኣባላት ፈደራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ብዝተልዓለ ተኹሲ ልዕሊ 50 ከም ዝሞቱን ብርክት ዝበሉ ድማ ከም ዝቖሰሉን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ጠንቂ ናይቲ ተኹሲ ድማ ካብ ናብ ተንቀሳቒሶም ዕለታዊ መነባብሮኦም ክመርሑ ዘይከኣሉ ነጋዶ እቲ ከባቢ ኮነ ኢሎም ዕጡቛት ተቓወምቲ በዚ ሓሊፎም ኣለዉ  ኢሎም ብዝሃብዎም ጉጉይ ሓበሬታ ምዃኑ ተፈሊጡ።

         እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ ከም ዝገለፆ  ካብቶም ሓበሬታ ዝሓበሩ ሓደ ዝኾነ ሙሴ ይርጋ ዝተብሃለ ነጋዳይ ድማ ኣዋዲእኻና ብምባል ሒዞሞ ከም ዘለዉ ዝገሊፁ፣ እቶም ወገናት ነቲ ንብረት ንኸሕልፉ እሎም ዝተጠቐሙሉ ሜላ እንትኸውን እቶም ኣባላት ምክልኻል ፌደራል ፖሊስን ካብ’ዚ ብምብጋስ   ንተቃወምቲ ንምጥቃዕ በቢ ኣንፈቶም ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን ክልቲኦም ብሃንደበት ኣብ’ቲ በረኻ ተራኺቦም ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ  እቲ ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ።