Thursday, May 1, 2014

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ነበርቲ ጣብያ ሃፍተማርያም ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ሓመድን ማይን ዕቀባ ምስራሕ ኣቢኹም ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ  ነበርቲ ጣብያ ሃፍተማርያም ዝኾኑ ዜጋታትና ኣብ ሓመድን ማይ ዕቀባ ምስራሕ ኣቢኹም ብዝብል ምሱሉይ ምኽንያት ካብ ዝሓለፈ  ወርሒ ለካቲት 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ክሳብ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ  ወገናትና ኣይተ ተስፋሚኪኤል ግርማይ፤ ኣይተ ገብረእዝጊኣብሄር ገብሩን ካልኦትን ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነዞም ንፁሃት ዜጋታትና ኣደምትን ኣለዓዓልትን  ብዝብል ብናይ ሓሶት ጠቐነ ከሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሰኣ ተዳጒኖም ክሳቐዩ ዝገበሩ ኣብ’ቲ ከባቢ ተለኣኣኽቲ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣይተ ኪዳነ ተስፋማርያምን ካልኦት መሳርሕቱን ምኻኖም ተፈሊጡ።

እዞም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ወገናት ነቲ ገጢምዎም ዘሎ ፀገም ንኽፍተሐሎምን ድኻታት ስድራና ሰሪሕና ክንናብዮም ፍትሑና ዝብል ጥርዓን እንተቕረቡን ስማዒ ክረኸቡ ከምዘይከኣሉ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወፀ ሓበሬታ የመልክት።