ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ወረዳ ወይን እንጦጦ ኣምባ ካልኣይ ደረጃ ኣብያት ትምህርቲ ዘምህሩ ኣስታት 139 መምህራን ንህዳሴ ግድብ ብተደጋጋሚ ገንዘብ
ክኸፍሉ ፍቃደኛታት ካብ ዘይኮኑን ዓቕሚ ዝሓፀሮምን 4ተ መምህራን ብካድረታት ናይቲ ስርዓት ካብ ስርሖም ከም ዝተባረሩ ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ ናይ’ታ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር ዝኾነ ደመላሽ ነጋሪ ዝተብሃለ ልኡኽ እቲ ስርዓት ስልጣኑ ጉልባብ
ብምግባር መምህር ደረጄ ንዝተብሃለ ናይ ፕላዝማ ቴክኒሻን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት “ገንዘብ ኣይከፍልን በብእዋኑ ክፈሉ ምባል
በዚሑ ስለ ዝበለ ጥራሕ” ካብ ስርሑ ከም ዘባረሮ እቲ ሓበሬታ
ኣረዲኡ።