Sunday, May 4, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ነጋዶ ከተማታት ፍኖተ ሰላምን ቡሬን ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ ስለዝተወሰነሎም ትካላቶም ክዓፅዉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




እዞም ኣብ ስራሕ ንግዲ ተዋፊሮም ቤተሰቦም ክናብዩ ዝፀንሑ  ነበርቲ ከተማ ፍኖተ ሰላምን ቡሬን  ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ዓቕሞምን ምስ ኣታዊኦም  ዘይመጣጠን  ግብሪ ክኸፍሉ ሰለ ዝተወሰነሎም ትካላቶም ክዓፅዉ ይግደዱ  ስለዘለዉ ንኽሳራን ድኽነትን  ተቓሊዖም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተፈሊጡ።  
             
      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካብቶም  ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ  ዝተተመነሎም ግን  ከዓ ክኸፍሉ ዓቕሚ ሓፂርዎም   ትካሎም ዝዓፀው ወገናት ንምጥቃስ፣  
Ø ሙሉ  ሆቴል 95 ሽሕ ብር ፤
Ø ደረጀ ናይ ሃለኽቲ ነገራት መከፋፈሊ፤135ሽሕ ብር
Ø ኣባይ  ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሕት መካፋፈሊ 110 ሽሕ ብር  ካልኦትን ምኻኖም ድሕሪ ምግላፅ እዞም ወነንቲ ናይዘን ትካላት ምስ ቤተሰቦም ናብ  ክወፅዎ ናብ ዘይኽሉ ፀገም ይኣትዉ ምህላዎም ተገሊፁ።