Sunday, May 4, 2014

ኣብ ከተማ ጎንደር መንበሪ ገዝኦም ብስርዓት ኢህወዴግ ዝፈረሶም ዜጋታት ተቓውሞ ስለ ዘስምዑ ይእሰሩ ከም ዘለው ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት  ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ስልጣን ብዘሎ ስርዓት ገዝኦም ዝፈረሶም ወገናት ነበርቲ ከተማ ጎንደር መተካእታ ቦታ ወይ ድማ ካሕሳ ክወሃቦም ሰለ ዘይከኣለ  ምስ ስድረኦም ኣብ በረኻ ተደርዮም  ንፀሓይን ንፋስን  ተቓሊዖም ግዳይ ሕማም ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ፣ እዞም ወገናት ንዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ኣቕሪቦም  ፍታሕ ክረኽቡ ሰለ ዘይከኣሉ  ኣንፃር እቲ ስርዓት  ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ  ተፈሊጡ።

  እዞም ገዝኦም ዝፈረሶም ንፁሃን ዜጋታትና ሕቶኦም ብሰለማዊ ሰልፊ ብምሕታቶም ጥራሕ፤ ኣብ ውሽጢ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ  ተዳጒኖም ካብ ዘለው ዜጋታት ኣይተ መልካሙ ሲሳይ፤ኣይተ ሰለሙን ገብረመድህን፤ኣይተ ኣሕመድ ሑሴን፤ኣይተ ኣበራን  ካልኦትን ምዃኖም እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።