ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝደለዮ ከባቢታት
ሃገሩ ሰሪሑ መነባብርኡ ከይልዉጥ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከም ኣግበ ዝበለ ቦታ ኬላታት ከፊቶም ካብ ዞባ ናብ ዞባ ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ዜጋ መንነት
ወረቐት ከርኢ፣ ዘይብሉ ከዓ ከም ሓደ ገበነኛ ተወሲዱ ክእሰር ይገብሩ ከም ዘለዉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝበፀሓና
ሓበሬታ የረድእ፣፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ፣ መንነት ወረቐት ከም ዜጋ ንዝኾነ ዕድመ ኣከል ኢትዮጵያዊ
ክወሃብ ግቡእ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝኾነ ሰብ መንነት ወረቐት ክዉሃቦ ኣብ ዝሓተሉ መጀመርያ ኣባል
ህወሓት ምዃኑ መረጋገፂ ከቐርብ እንተዘይ ክኢሉ ከም ዘይዋሃቦ ኣፍሊጡ፣፣
እዚ ተኣታትዩ
ዘሎ ኣሰራርሓ ንዝመፅእ ዓመት ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ኣብ ግምት ብምእታዉ፣ ሰብ ፈተወ ኣይፈተወ ኣባል ህወሓት ንምግባር ዝዓለመ
ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብዚ ግዴታ ሓንጊዱ ኣባል ኣይኸዉን ንዝበለን ካብኡ ሓሊፉ’ዉን ኣባል ተቓወምቲ ዉድባት ንዝኾነ
ኣብ’ዘን ከም ከፊቶምዎን ዘለዉ ኬላታት እናሓዙ ብምእሳር ዕለታዊ
ህይወቱ ሰሪሑ ከይመርሕ ኣብ ምስንኻል ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ኣገንዚቡ፣፣