Tuesday, July 8, 2014

ኣብ ዞባ ማእከል ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ ነጋዶ ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ስለ ዘለው ንክሳራታት ተዳሪጎም ከም ዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም።



እዞም ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ተዋፊሮም ቤተሰቦም ከመሓድሩ ዝፀንሑ ነጋዶ ዘይርትዓዊ ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ኣናእሽተይ ሸቐጣ ሸቐጥ፤ እንዳ መስተን ካልኦትን ከፊቶም ኣብ ስራሕ ንግዲ ዝተዋፈሩ ወገናት ነቲ ኣድልዎ ዝመልኦ ኣከፋፍላ ግብሪ ንክመሓየሸሎም ፋይሎም ሒዞም ይግባይ ይብሉ ከም ዘለው ተገሊፁ።

   ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ኮይንዎም መረረቶም ዝገለፁን ይግባይ ካብ ዝብሉ ዘለው ወገናት፦
1.       ኣይተ ገብሩ ኣበበ ወናኒ ባር ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ 22,578.00 ብር    
2.        ኣይተ ጉዕሽ ገብረስላሴ ወናኒ ባር ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ 28,950.00 ብር
3.       ኣይተ ስዒድ ሙስጦፋ ወናኒ ትካላት ሸቐጣ ሸቐጥ ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ 38,990.00 ብር
4.       ወይዘሮ ዝማም በየነ ተሰማ ወናኒት ሆቴል 14,490.00 ብር
5.       ኣይተ ገብረህይወት ወለኺዳን ወናኒ እንዳ መሸጣ ናይ ገዛ ኣቐሑን ሕርሻን 25,760.00 ብር
6.       ወ/ሮ ኣስካሉ ኣለምብርሃን ወናኒት ባር 6,700.00 ብር
7.       ኣይተ የውሃንስ ሃይሉ ወናኒ ቤት ምግቢ 5,771 ብር
8.       ኣይተ ደስታ ገብረእዝጊኣብሄር ወናኒ እንዳ ጨጉሪርእሲ መስተኻኸሊ 2,545 ብር ኮይይኖም ብዙሓት ነጋዶ ፋይሎም ሒዞም ይግባይ ይብሉን ትካሎም ክዓፅው ይግደዱ ምህላዎምን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።