ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ነበርቲ ክልል ዓፋር ወረዳ በራሕለ ጣብያ ኬናማ ምስ ነበርቲ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ እሶት
ተወሊዑ ዘሎ ባእሲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ሓያል ጉድኣትን ምንግልታዕን የዉርድ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ዉፅኢቱ’ዉን እቲ
ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ወገን ቦታን ግዜን መሪፁ ምጭፍጫፍ፤ ንብረት ብሓዊ ምቅፃልን ጥሪት ምዝራፍን ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕፅል ምህላዉ ኣመልኪቱ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነበርቲ ጣብያ እሶት ናብ ጣብያ
ኬናማ ብምኻድ ኣብ ደምበ ዝነበራ 8ተ ከፍቲ ብሓዊ ኣቃፂሎም ነተን ዝተረፋ 18ተ ከፍቲ ድማ
ዘሪፎም ከም ዝወሰድወን ድሕሪ ምግላፅ ብወገን ነበርቲ ጣብያ ኬናማ ድማ ናብ ጣብያ እሶት ብምኻድ ከም ሕነ መፍደዪ ተመሳሳስሊ
ጉድኣት ከም ዘዉረዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ትግራይን ክልል ዓፋርን
ዝካየድ ዘሎ ጭካነ ዝተምልኦ ክሳብ ብኣፈሙዝ ዘምረሐ ባእሲ ነዊሕ
ግዜ ዘቑፀረ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ኣማሓደርቲ
ናይ’ቲ ከባቢ ኢና በሃልቲ ነቲ ኩነታት ፍታሕ ክንገብረሉ ብዝብል በብክልሎም ሽማግለታትን ገለ ሓለፍትን ዝተረኸብሉ
ንይምሰል ዝገብርዎ ኣኼባ እንተኾነ’ውን ነቲ ወጥሪ ዘጋድድ እምበር ውፅኢት ሰለ ዘየምፀአ እቲ ባእሲ ኢድ መንግስቲ ከይሃለዎ ኣይተርፍን
ኣብ ዘብል ጥርጣረ በፂሑ ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።