ከም ሓበሬታ
ምንጭታትና እቲ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ክካየድ ዝቐነየ ይኹን እቲ ሕዚ ኣብ ታሕተዎት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝቕፀል ዘሎ ኣኼባ ከም
መእተዊ ርእሲ ኣጀንዳ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ትልሚ ዕቤትን ስግግርን /ትራንስፎርሞሽን/ ከመይ ተፈፂሙ ዝብል እኳ እንተኾነ
ኣብ ተግባር ግን ቀንዲ መዛተይ እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ መፃኢዝካየድ መረፃ ዘተኮረ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
እቶም መራሕቲ
ናይ’ቲ ኣኼባ ዝኾነ ይኹን ሰራሕተኛ መንግስቲ ንዉድብ ህወሓት-ኢህወዴግ ክምረፅ ኣብ ምግባር ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ከም ዘለዎን
እዙይ ድማ ካብ ቅድሚ መረፃ ኣትሒዞም ክሳብ ዕለት መረፃ ሰባት ንተቓወምቲ ከይመርፁን ከይድግፉን ብምጉስጓስ ተስፋ ተወዳደርቲ
ተቓውምቲ ዉድባት ባይታ ክዘብጥ ምናልባት ብሽም መረፃ ተቓዉሞ ብዝኾነ ኣካል ከይለዓል ዕለታዊ ምክትታል ብምክያድ ዝረኽብዎ
ሓበሬታ ቀልጢፎም ንዝምልከቶ ኣካል ከፍልጡ መምርሒ ይህብዎም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ብተመሳሳሊ
ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝሰርከቡ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ብዛዕባ መረፃ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝምልከት
ኣኼባ ተፀሚዶም ምህላዎም ተገሊፁ።
ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ወጊሑ ክሳብ ዝመሲ ኣብ ኣኼባ ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ መድረኽ
ክመርሑ ዝተለኣኹ ካደረታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዘረባ ጀሚሮም ክሳብ ዝዉድኡ መፃኢ መረፃ ዉድብና ክዕወት ንተቓወምቲባይታ
ክንህቦም የብልናን ካብ ሕዚ ኣትሒዙ ዝኾነ ሰራሕተኛ ነዚ ኣብ ምፍፃም ምሉእ ግዜ ዋላ እንተጥፈኣሉ ዝሓቶ ኣካል የለን ሓደ ልቢ
ኮይና ጥራሕ ንበገስ እናበሉ ዓቕሉ ኣፅቢበምሉ ምህላዎም ምንጭታትና ወሲኹም ኣገንዚቦም።