Thursday, October 2, 2014

ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኣኪቦም ዝቐነዩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘልዓልዎም ሕቶታት ንመራሕቲ እቲ መድረኽ ወጥርን ጭንቕንቕን ከም ዝፈጠረሎም ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ዝምራሕ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝቐነዩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ዕላማ እቲ ኣኼባ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን መስመር ተሃድሶምን ዝብል እኳ እንተነበረ ነቲ ብልኡዃት እቲ ጉጅለ ዝቐርብ ዝነበረ መደናገሪ ትንታነታት ክወሓጠሎም ዘይከኣለ ተኣከብቲ እዋናዊ ሕቶታት ብምልዓል ክዋጠሩ ከም ዝገበርዎም ምንጭታትና ኣረዲኦም።
ካብቶም ብተኣከብቲ ዝተለዓሉ ቀንዲ ሕቶታት መሬት ብሊዝ ምሻጥ ንሰብ ሃፍቲ እምበር ንድኻ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮን፤ ክራይ ኣካብነት መግለፂ ተግባር ኢህወዴግ ብምዃኑ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳን የለን፤ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ከም ዘይኣቱ ኣብ ሕገ መንግስቲ ሰፊሩ እናሃለወ ኢህወዴግ ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጥሕሶ ኣሎ፤ ነፃ ዕዳጋ ከም ዘፍቅድ መንግስቲ ባዕሉ ይዛርብ ግን ከዓ ባዕሉ ኣዋጃት ብምዉፃእ ነጋዶ ከይሰርሑ ገደባት ይገበርን ፀቕጥታ ምፍጣርን ንክራይ ኣካብነት ዋና በሪ ከፋቲ ኮይኑ ኣሎ ዝብሉን ካልኦትን ሪኢቶታት ኣብ ዘቕረብሉ እቶም ካድረታት ዘይገምመትዎ ስለ ዝኾኖም ተደናጊፆም ብቑዕ ምላሽ ከይሃብሉ ነቲ መድረኽ ኣድበስቢሶም ከም ዝዓፀዉዎ ኣፍሊጡ።