Friday, December 12, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዓብደ ራፍዕ ዝርከቡ ፈደራል ፖሊስ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት እናፈሓሱ ንነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ሕድሕዱ የጋጭዉዎ ምህላዎም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ዓብደ ራፍዕ ዝርከቡ ፌደራል ፖሊስ  ናይ ኣይተ ሃፍቱ ግርማ መኻዚኖ ብ22 ሕዳር 2007 ዓ/ም ብዝኣጎድዎ ባርዕ ሓዊ 35 ኩንታል ሰሊጥን ብርክት ዝበለ ኮናትል መሸላን ከም ዝተሓሞኸ  ድሕሪ ምግላፅ ፖላዊስ ባዕሎም ብዝፈፀምዎ ገበን ንኑፁሃት ዜጋታት ብዘይወዓልዎ ገበን ብምጥቃን ነበርቲ ባዕሎም ንባዕሎም እናጋጨዉ ናብ ዘይተደለየ ባእስን ዕግርግርን የእትውዎም ከም ዘለው ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነቲ ብፌዴራል ፖሊስ ዝተፈፀመ ገበን ንሓደ ስላቸው ማሙ ዝተብሃለ ንፁህ ዜጋ ንስኻ ኣቃፂልካዮ ኢሎም ብምፅላም ኣሲሮም የሳቕይዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነበርቲ እታ ከተማ ድማ ነቲ  ብፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ተግባር ብምቅዋም ባዕልኹም ኣባላት ፖሊስ  እቲ መኻዚኖ ኣቃፂልኩሞ ክትሃድሙ ብዓይንና ሪኢናኩም ኢና ዜጋታት  ዘይወዓልዎ ገበን እናጠቀንኩም  ተኣስሩን፤ ሕድ ሕድና ተጋጭውናን ኣለኹም ክብሉ ከም ዝመለሱሎም ተፈሊጡ።
   ብተመሳሳሊ ብ11 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኣባላት ፖሊስ ኢህወዴግ ህዝቢ ንኸይነቕሓሎም ሓጎስ እምባዬ ዝተበሃለ መንእሰይ ኣሻግሬ ብዝተበሃለ ኣባል ፖሊስ ተቐቲሉ እንከሎ  ሰሊጥ ክሰርቕዩ ሞይቱ ምእንቲ ክብሃል ኣብ ኢድ መዋቲ ሰሊጥ  ብምቕማጥ  ኣብ መንጎ ዝተኣከበ ሰሊጥ ነቲ ኣስከሬን ሓቢኦም ከብቕዑ ብኻልእ ሰብ ከምዝተቐተለ ብምምሳል ኣብ መንጎ ነባሪ ህዝቢ ከባቢ ዓውደ ራፍዕ ምጥርጣራትን ግጭታትን ክፍጠር ይገብሩ ከምዘለው ኣብ ዝሓለፉ ናይ ዜና ፈነወታትና ምግላፅና ይዝከር።