Friday, December 12, 2014

በዓል ሕዳርፅዮን ንምኽባር ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተኣከቡ መእመናን ኣባላት ድህነንት ገዛኢ ስርዓት ኣሸበርቲ ኣትዮም ብምባል ብዝነዝሕዎ ወረ ተደናጊፆም ካብቲ ቤተክርስትያን ሃዲሞም ከም ዝወፁ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



ኣብ ዞባ ማእኽል ከተማ ኣኽሱም ዝርከቡ ኣባላት ድህንነት እቲ ስርዓት  ብ21 ሕዳር 2007 ዓ/ም ፀጉረ ለወጥ/ኣሸበርቲ/ ናብ ከተማና  ኣትዮም ብምባል ብዝነዝሕዎ ናይ ሓሶት ወረ ነቲ በዓል ንምኽባር ዝመፁ ኣጋይሽን ነበርትን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝወደቑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ  ድማ እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንቤተክርስትያን ፅዮንማርያም ብዓል ንምኽባር  ዝተኣከቡ ኣመንቲ በቲ ወረ ተደናጊፆም ብሚልዮናት ዝግመት ንብረት ገዲፎም ከም ዝሃደሙ ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ብደህንነት ናይቲ ስርዓት ዝተነዝሐ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋፅ ዋላ ሓንቲ ዝተፈጠረ ፀገም ዘየሎ እቶም ምእመናን ንክሃድሙን ናብ ፀሎቶም ከይምለሱን ኣደነጊፅኩምዎም ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ይገልፁ ምህላዎም ተሓቢሩ።
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ልሳን ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ኣብ መስኮት ቴሊቪዥን ገለ ገለ ሰባት ክዛረቡ ብምግባር እቲ በዓል ብዘይ ሓደ ዕንቅፋት ከም ዝተበዓለ ንምምሳል ዝገበርዎ ቃለ-ማሕተት ነቲ ብኣባላት ድህንነት እቲ ዞባ ስግኣት ዝፈጠሮ እከይ ተግባሮም ንምሽፋን ዝተገበረ ምዃኑ ህዝቢ እቲ ከባቢ መዛረቢ ዛዕብኡ ገይርዎ ከምዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።