ኣብ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዋና ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ኣይተ ሽመልስ ጌታቸዉ ዝተበሃለ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢህወዴግ። ኣብታ
ክፍለ ከተማ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ኣብ ግድግዳ ገዛ ዝነብሩ ወገናት። እቲ ገዛ ሰሪሕኹምሉ ዘለኹም መሬት ንትካል ዝደልይዎ
ኣብ ወፃኢ ክነብሩ ዝፀንሑ ሰብ ሃፍቲ ረኽብናሉ ስለ ዘለና ግድግዳ ገዛኹም ፍሪሱ ኣብ ክንድኡ ኣብ ካልእ ቦታ ዝተመሓየሸ ገዛ
ክስራሕልኹም ዝኽእል ካሕሳ ገንዘብ ካብኣቶም ተቐቢልና ክንህበኩም ኢና ብዝብል ገዝኦም ኣፍሪሶም ምስ ወፁ። ነቶም ካብ ወፃኢ
ዝመፁ ዜጋታት ብዝተጭብርበረ መረዳእታ መሬት 6 ሚልዮን ብር ተቐቢሉ ንዉልቁ ከም ዘዉዓሎ ካብታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ
ገሊፁ፣
እቲ ኣብ ምትላል ዝተዋፈረ በዓል ስልጣን ስርዓት ወያነ። ነቲ 6 ሚልዮን
ቅርሺ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ወገናት ሰብ ሃፍቲ።-
1.
ኣይተ ይኩኖ ኣልባቸዉ
2.
ወ/ሮ ሓያት ሓጎስ
3.
ክፍሉ ሃለሚካኤል
ንስራሕ
ምቹዉ ቦታ ኣዳልየ ኣለኹ ከረክበኩም እየ ብምባል እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሎም። ከይወዓለ ከይሓደረ ብ18 ሓምለ 2005 ዓ.ም
ነቲ ብምጭብርባር ዝረኸቦ 6 ሚልዮን ገንዝብ ሒዙ ስዑድ ዓረብያ ዝኣተወ እንትኾን። እቶም ገዝኦም ኣታሊሉ ዘፍረሰሎም ፅጉማት
ወገና ድማ ኣብ ማእኸል በረኻ ተደርብዮም ብዘይ መፅለሊ ክረምቲ ምስ ምዃኑ ብዝናብ፤ ቁሪን ፀሓይን እናተፈራረቖም ቆልዓ ሰበይቲ
ሕዞም ፍታሕ ዝገብር ኣካል ስኢኖም ኣብ ስቓይ ወዲቖም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።