Saturday, December 27, 2014

ሃገራዊ መረፃ እንተቀራረብ ፀገም ህዝቢ የደራረብ!



ህዝቢ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበናት ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሹመናታት ተቖሪኑ ዘሕለፎ ሕሱም ፀረ ዴሞክራሲያዊ መግዛእቲ ነቲ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ናይ ድሕረትን መከራን ተርእዮ ቀንዲ ምንጭን መሰረትን’ዩ።
ህዝብታት ሃገርና በብእዋኑ ኣብ ልዕሊኦም ይበፅሖም ካብ ዝነበረ ብሄራውን ደርባውን ጭቆና፤ ግፍዒ፤ ስደትን መከራን ክናገፍ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ደመኛታቶም መሪር ቃልስን መስዋእትነትን ከፊሎም’ኳ ፀላእቶም እንተምበርከኹ ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ግን ኣብ ስልጣን ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ንኹሉ ነገር ንጎኒ ጎስዩ ኣብ ናይ ባዕሉ ውልቃዊ ዓንኬል ኮለል ክብልን ነቲ ዝነበረ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ከሰጋግሮን ክኢሉ’ዩ።
ናይዚ ስርዓት ብልሹው ኣካይዳን ዓፋኒ ተግባርን ዘርዚርካ ዝውዳእ’ኳ እንተዘይኮነ ብፍላይ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ምስሉይ መረፃ ንኽካይድ ምድላው ይግበር ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣብ መላእ ሃገርና ይፍፀሙ ካብ ዘለው ግፍዕታት ንገሊኦም ክንገልፅ።
ü ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ከተማታት ሻንቦን ነቀምትን ዝነብር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ኦሆዴድ ኢህወዴግ ዘለዎ ፅልኣት ምስ ተቓወምቲ ብምትሕብባር ሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ኣኼባታት ንኸየካይድ በቲ ስርዓት ምእጋዱ ስዒቡ ኣብተን ከተማታት ብተቓወምቲ ንዝብተን ፓምፕሌታት ትሕዝትኦም ኣንቢቡ ብምርዳእ ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና  ብምባል ሞራላዊ ድጋፍ ምግባሩ፤
ü ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ በናይቲ ስርዓት ኣባላት ደህንነትን ፖላዊስን ካብ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ነፃ ኮይኖም እናሃለው። ኣባላት ህወሓት ስለዘይኮኑ ጥራይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ዘካይድ ውድብ ዴምህት ስለ ትደጋገፉ ኢኹም ኣብ ነካይዶ ኣኼባታት ዘይትሳተፉ ዘለኹም ብምባል ብፍሉይ ኣሲሮም የሳቕይዎም ምህላዎምን ነዞም ንፁሃን ወገናት ኣሲሮም ምስ ዴምህት ክንተሓባበር ፀኒሕና ኢልኩም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተዛረቡ ኢሎም’ኳ ኣብ ልዕሊኦም ስቓይ እንተብፅሕሎም ምላሽ ናይዞም ወገናት ግን ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ስለዘይኮና ኣይንዛረብን ዝብል መልሲ ይህቡ ምህላዎም፤
ü ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝርከቡን ንነዊሕ እዋን ብናይ መሬት ይግባአኒ ሕቶ ክሰሓሓቡ ዝፀንሑ ናይ ክልቲአን ህዝቢ ወገናት ስርዓት ኢህወደግ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መንገድን ህዝብታት ናይዘን ክልላት ብዘይአመንሉን ገዳማይቱ፤ ዕንድሮን ዓዳይቶን ዝተባህላ ዓሌት ዒሳ ዝነብሩለን ከባቢታት ናብ ክልል ዓፋር ምውሳኑ ነቲ ካብ ክልል ዓፋር ስኢንዎ ዝፀንሐ ህዝባዊ ተቐባልነት ንምብርባር ተሓሲቡ ዝተተግበረ ሽርሒ’ዩ ካብ ዝብል እምነት ዝተበገሰ ኣብ መንጎ ክልቲአን ህዝብታት ክሳብ ናይ ደም ምፍሳስ ጎንፂ ኣስዒቡ ምህላው፤
ü ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተካየደ ፀረ እቲ ስርዓት ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ ሕዳር 28/2007 ዓ/ም ብርከት ዝበሉ ንፁሃን ወገናት ብፌደራል ፖሊስ ከም ዝተአሰሩን ምኽንያት መእሰሪኦም ድማ ነቲ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብፌስ ቡክን ካልኦት መርበብ ሓበሬታን ግንቦት 7 ንኽቀነባበሮ ንስኹም አብዚ ኮይኮንኩም ትተሓባብርዎ ስለዘለኹም’ዩ ብዝብል ኮይኑ እንተኾነ ግን እቲ ሓቂ ብሰማያዊ ፓርቲ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ፤
ü ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን ዝርከብ፤ ግጨው፤ ማርዘነብን  ማይ እንጓን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢ ብሰንኪ መሬት ይግባኣኒ ጎንፅታት ምፅንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝፀንሐ ጎንፂ ንምፍታሕ ኢሎም ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ናይ ክልቲኦም ክልላት ሰበስልጣን ንዘቅረብዎ ሓሳብ ተቐባልነት ከምዘይረከበ በዚ ጉዳይ ዝተበገሰ’ውን ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ፌደራል ፖሊስን ሓረስቶት እቲ ከባብን በዝተወለዐ ጎንፂ ገለ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝተቐትሉ ሕዝ’ውን እንተኾነ በቲ ዝተወሃበ ፍትሓውነት ዝጎደሎ ዳይነት ህዝቢ ስለ ዘይዓገበ ንስኹም ክትዓርቁና ዘይኮንኩምስ ክተቃትሉና ኢኹም መፂኹም ብዝብል ነቲ ውሳነ ከምዘይተቐበልዎ፤ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀ ጨፍጫ ወ.ዘ.ተ… ኣብ ሃገርና ይፍፀሙ ካብ ዘለው ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ዝመበገሲኦም ስማዊ መረፃ ይቀራረብ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሑ ዘለው ፀገማት ካብቶም ብዙሓት ገለ እቶም ውሑዳት ፍፃመታት’ዮም።
    ስርዓት ወያነ ኢህወደግ መረፃ ኣብ ዝቀራረበሉ ግዜ ንህዝብን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምዝባዕ ክብል ዘይተአደኑ ተስፋን መደናገርቲ ቃላትን እናተጠቕመ ከም ዝመፀ ኣብ ዝሓለፉ 4 መረፃታት ተዓዚብናዮ ኢና፣ ከም መንግስቲ ክሰርሖም ግዴትኡ ንዝኾኑ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ትሕተ ቅርፅን ኣብ ድሮ መረፃ ከረአዩን ከወዓውዑን ይገብር ከም ዝፀንሐን ሕዝውን እንተኾነ ነዚ መስርሕ ብሰፊሑ ይጥቀመሉ ከም ዘሎን ብፍላይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክንጠቕሶ ዝፈተናዮ ንሃዲኡ ህዝቢ ንኽትሕዝ ነቲ ካልእ ብዝብድል መንገዲ ዝካየድ ፍትሓውነት ዝጎደሎ ሕሱር ኢድ ኣእታውነት ካብ ሓደ ህዝቢ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን።
    ስለዚ እዚ ስርዓት ዘካይዶም ኩሎም ምንቅስቓሳት ብዓይኒ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑ እምበር ንረብሓ ህዝቢ መበገሲ ዝገበረ ከም ዘይኮነ-  ተረዲእና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ተደራራቢ ፀገም ብኣጋ ብምስትውዓል ነቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ስማዊ መረፃ ብምቅዋም ጠጠው ክንብል ይግባእ።