Sunday, December 21, 2014

ነበርቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ብዛዕባ ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ኣመልኪቶም ሪኢቶኦም ንክህቡ ብኣባላት ፍትሒ ቢሮ ክልል ትግራይ ንዝቐረበሎም ሕቶ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ።



    እቲ ብ3 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ንነበርቲ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም   ብኣባላት ፍትሒ እቲ ክልል ብዛዕባ ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ዝምልከት   ኣኼባ ዝተኻየደ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተኣከበ   ልዕሊ 3000 ዝኣክል ነባራይ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ሪኢቶ ካብ ምሃብ ከም ዝተዓቀበ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።  
    በዚ ስቕታ ህዝቢ ዝሰግኡ መራሕቲ እቲ መድረኽ  ሜላ ብምቕያር  ሪኢቶ መዉሃቢ ባንዴራ ሕብሪ  ዘለዎ ሰለስተ ሳንዱቕ  ብምድላው ኣብታ ቆፃል ፍትሒ ይኹን ሰናይ ምሕደራ  ፅቡቕ ኣሎ፤ ኣብታ ብጫ  ሳንዱቕ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ዋላ ኣይኹን ጉድለታት ፍትሒ ይረኣዩ እዮም፤ ኣብታ ቀያሕ ሳንዱቕ ድማ ፍትሒ ይኹን ሰናይ ምሕደራ ፈፂሙ የለን ብምባል ብስቱር ህዝቢ ሪኢትኡ ከቕርብ ንዘቕረቡሉ መማረፂ እቲ ነባራይ ህዝቢ ግን ዕቀብኡ ብምቕፃል ሪኢቶ ካብ ምሃብ ከም ዝተቖጠበን እተን ሳናዱቕ ጥረሐን ምፅንሐን ኣብ ሰናይ ምሕደራን ፍትሒን ዓብዪ ፀገም ከምዘሎ ዘምለኽት ምኻኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።