እዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምግዳልን ውትህድርናን ከርተት እናበሉ
ፀኒሖም ብጥሮታ ዝተፋነዉ ዜጋታት ትምህርቶም ወዲኦም ህይወቶም ንምምራሕ ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ንክቖፀሩ ናይ ስራሕ ዕድል
ክፍቀደሎም ዘቕረብዎ ሕቶ ብካድረታት እቲ ስርዓት ተቐባልነት ከም ዝሰኣነ
ተፈሊጡ።
እቶም ተጋደልትን ወተሃደራት ነበርን ብተደጋጋሚ ብደብዳቤን ብኣካል ክሳብ ክልል ቢሮን ብምኻድ ናይ ስራሕ
ዕድል ክፍጠረሎም ዘቕረብዎ ጥርዓን፤ ውፅኢት ከም ዘይረኸብሉ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ምኽንያት ድማ እዚኦም ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ እንተተቖፂሮም ንዝረኣዩዎ ግድፈታት ስራሕ ናብ
ህዝቢ ብምቕራብ ናዕቢ ክልዓል ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎም ካብ ዝብል ስግኣት ዝነቐለ ከም ዝኾነ ገለ ተዓዘብቲ
ይዛረብሉ ከምዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።