ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ካብ ሓደ
መጋቢት 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ነቀምትን ደዴሳን ኢህወደግ
ናይ ስራሕ ስእነት ንዘለዎም መናእሰይ እናኣከበ መሬት ንዘይብሉ መሬት ክንህቦ ኢና፤ ናይ ሕርሻ ትራክተር ‘ዉን ብናፃ ክንዕድለኩም
ኢና፤ መራሕቲ መካይን‘ዉን መንግስትና ባዕሉ ክቖፅረልኩም እዩ፤ መዳበርያ ብ1300 ዝሽየጥ ዝነበረ 500 ብር ክጎድለልኩም እዩ
ወዘተ እናበሉ ካድረታት እቲ ጉጅለ ይጉስጉሱ እኳ እንተሃለዉ። ቅንዕና የብሉን ብምባል እቶም መናእሰይ ይቃወምዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
ምኽንያት መቃወሚ ናይ’ቶም ወገናት ድማ። ክሳብ
ሕዚ ኣበይ ኔርኩም ኢኹም ብሓንሳብ ሽግራትኩም ክንፈትሓልኩም እናበልኩም
መረፃ ኣብ ዝቐረበሉ ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘለኹም?። እዚ ድማ መረፃ ክሳብ ትሓልፍ ድኣ’ምበር መረፃ ምስ ሓለፈ ከም ዘይትዝክሩናን
መብፅዓኹም ከም እትጠልሙን ንፈልጠኩም ኢና ክብሉ ይቃወምዎም ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣