Monday, March 23, 2015

ኣብ ወረዳ ፀገዴ ዝርከቡ ካድረታት ንነበርቲ ዳንሻ ኣኪቦም ናይ ኣባልነት ህወሓት ገንዘብ ከዋፅኡ ኣብ ዝሓትሉ ግዜ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞም ተፈሊጡ፣



   ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀገዴ ዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት  ንነበርቲ ዳንሻን ከባብኣን ብ7 መጋቢት 2007 ዓ/ም ኣኪቦም ናይ ኣባልነት ህወሓት  ገንዘብ ንኽኸፍሉ ኣብ ዝሓትሉ እዋን። እቶም ተኣከብቲ “ኣብ ዝሓለፈ ንበዓል ለካቲት 11 ዘዋፃእናዮ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኹም ብምዉዓልኩም ክትሓፍሩ ይግባእ፥ ካብ ሕዚ ንደሓር ገንዘብ ኢልኩም ከይትሓቱና እነዋፅኦ ገንዘብ የብልናን” ዝብል ምላሽ ከም ዝሃብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
    ነባሪ ህዝቢ ዳንሻ “ንለካቲት 11 ተባሂሉ ዝተዋፀአ ገንዘብና ኣበይ ዉዒሉ ቁፅፅር ምእንቲ ከይግበር ብዘይ ቅብሊት ወረቐት ዝወሰድኩሞ ገንዘብ ኣታዊኡን ወፃኢኡን ምእንቲ ከይትሕተቱ። ዝተገበረ ሽርሒ እዩ” ብምባል። ኣብ’ቶም ካድረታት እምነት ከም ዘይብሉ ብምረት ከም ዝተዛረቦም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣