Thursday, April 16, 2015

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ከተማ ሻንቡ ብካድረታት ኦህዴድ/ኢህወዴግ ዝተገበረሎም ናይ ኣኼባ ፃዊዒት ኣይንወፅእን ክብሉ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣



ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዝመላኽቶ።  እቲ ብ26 መጋቢት 2007 ዓ/ም ንነበርቲ ከተማ ሻንቡ ብካድረታት እቲ ስርዓት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ  ንኽርከቡ ዝተገብረ ፃዊዒት ከም ዝነፀግዎ ድሕሪ ምግላፅ። በዚ ናይ ህዝቢ እምቢታ ዝተቖጥዑ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ  ድማ  ዕሱባት ፖሊሳት ብምውፋር ነቲ ህዝቢ ብግፍዒ እናቐጥቀጡ ናብ ኣኼባ እንተዉፅእዎ። ብኣንፃሩ ተቓውምቲ ውድባት ብ27 መጋቢት 2007 ዓ/ም ናይ ምረፁኒ ጎስጓስ ንምክያድ ኣብ ዝፀዉዕሉ ድማ  ነባሪ ህዝቢ ዕንበባታትን ፀባን ብምሓዝ ከም ዝደገፎምን ብድምቀት ከም ዝተኻየድን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
     ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ተቛወምቲ ውድባት ዘካየዶ ዘሎ ናይ ደገፍ ተርእዮ ዘስገኦም ካድረታት እቲ ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ከኣ።  ልምዓት ንዘምፀአ መንግስትና ነፂግኩም ስለ ምንታይ ብተግባር ንዘይተፈተኑ ተቓወምቲ ትድግፍዎም ክብሉ ዘቕረብሎም ሓሳብ። እቲ ህዝቢ ብወገኑ ኢህወዴግ ዘልምዖ የለን እቲ ለሚዑ እትብሉና ዘለኹም እንተኾነ’ዉን ተረፍ ኣብ ዉልቃዊ ረብሓኹም ዘዉዓልኩሞ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝተሰርሐ እዩ ክብል ፅልኣቱ ከም ዝገለፀሎም እቲ ሓበሬታ የመልክት፣