Thursday, April 16, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ነበርቲ ፍኖተ-ሰላምን ቡሬ-ዳሞትን ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ነበርቲ ፍኖተ-ሰላምን ቡሬ-ዳሞትን ብኣመሓደርቲ እቲ ስርዓት ግፍዕታት ይበፅሖምን ከምኡ’ዉን ንብኣዴን/ኢህወዴግ/ ንኽመርፁ የፈራርሕዎምን ተቓውሞ ንዘስምዑን፥ ብፍላይ ንተቓወምቲ ውድባት ክመርፁ ይኽእሉ እዮም  ንዝበልዎም ነበርቲ ድማ ብኣባላት ደህንነትን ፖሊስን ብለይቲ ካብ መንበሪ ገዝኦም እናጨወዩ የጥፍእዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
    ካብቶም ብ24 መጋቢት 2007 ዓ/ም ብኣባላት ድህንነትን  ፖሊስን ተዓፊኖምን ተጨውዮምን ዝተወስዱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ንፁሃት ዜጋታትና፦ ኣይተ ምናለ ሽፈራው፤ ኣይተ ታያቸው፤ ኣይተ ኣስረሰን ካልኦትን እንትኾኑ።  ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዕጡቛት ናይ’ቲ ስርዓት ድማ  ብዛዕባ መረፃ ኣመልኪቶም ክጉስጉሱ ንዝመፁ ተቓወምቲ ውድባት። ብጥይት በልዎም ዝሓተኩም ኣካል የለን ብምባል ዉሽጣዊ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፉን ንመጠበሪ ዝኸውን ገንዘብ‘ዉን ከም ዝሃብዎምን  ተፈሊጡ፣