ላዕለዎት መኮንናት ዝርከብዎም ካድረታት ህወሓት
ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ክልል ትግራይ እናተቀሳቐሱ ህዝቢ ኣኪቦም መንእሰይ ናብ ዉትህድርና ክኣቱ ከም ዘለዎ ጎስጓስ
ኣብ ምክያድ ተፀሚዶም ኣብ ዘለውሉ ህዝቢ ይቃወሞም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ኣሕፈሮምን ወርዒ ለኸን
ዝነብር ህዝቢ ደቅና ንዕድመ ስልጣን ዉሑዳት ጉጅለ ንምሕላዉ ክብሉ ኣብ ዘይተደለየ ቦታን ግዜን ክሞቱ ናብ ዉትህድርና ኣይንእቱን
ከም ዝበሎም ምንጭታትና ገሊፆም።
ነዚ ተቓዉሞ ዝተዓዝቡ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት
ፍታሕ ንምንዳይ ብዝብል ዕፁዉ ኣኼባ ኣብ ዝቕንያት ኣብ ዘካየድሉ “ህዝቢ ትግራይ ስለ ምንታይ ካባና ይርሕቕ ኣሎ ዝብል ርእሲ ኣልዕሎም
ዋላ እኳ እንተተዘራረቡ እዙይ ዝባሃል መፍትሒ ከየቐመጡ ከም ዝተበተኑ ውሽጢ ፈለጥቲ እቲ ዛዕባ ዝኾኑ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።