ፖሊሲ ትምህርቲ ሃገርና ን24 ዓመታት ዝአክል ቀታሊ ትውልዲ ኮይኑ ይቕፅል
ምህላው ኩሉ ዜጋ ስለፈልጦ ነቲ ጉዳይ አመልኪትካ ክተርድእ ምፍታን ንቐባሪ ምርዳእ እዩ ዝኸውን።
ትምህርቲ ንዜጋታትና ኣብ ምህናፅ፤ ማሕበራዊ ሂወቶም ኣብ ምምሕያሽን ውጥን
ኣብ ምትሓዝን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ሂወት ንክህልዎ
ወሳኒ ግደ ስለ ዝፃወት ብልዑል ጥንቃቐን ብቕዓትን ክመሓድርን ኣብ ኣተገባብርኡ‘ውን እንተኾነ ብዓይኒ ዑምተይ ዕብየት ኣረጋጊፆም
ካብ ዝባሃሉ ሃገራት እናተቐድሐ ንኽስርሓሉ ምግባር ዘይኮነስ ብቕዓት ዘለዎም ምሁራት ደቂ ሃገር ዝተሳተፍሉ ፖሊሲ ብምድላው ውፅኢት
ንምምፃእ ፃዕሪ ምግባር’ዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተሰርሓሉ ዝርከብ ፖሊሲ ትምህርቲ ሃገርና ብፍላይ
ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ እናብፀሖ ዝርከብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ካብ ተሓታትነት ነፃ ክገብሮ ኣይኽእልን ጥራይ ዘይኮነስ
እዚ ስርዓት እዚ ን24 ዓመታት ዝኣክል ብዝተከተሎ ብልሹው ኣካይዳ ስርዓተ ትምህርቲ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኢህወደግ ተስፋ
ዝሰአነሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ።
ስርዓት ኢህወደግ መንበረ ስልጣን ምስተቖፃፀረ። ፖሊሲ ትምህርቲ ምድላው
ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ማለት! ነቲ ፖሊሲ ናይ ምርቃቅ ሓላፍነት ካብ ቢሮ ሚንስትሪ ትምህርትን ምሁራንን ክወፅእ ብምግባር ብቐጥታ ብቤት
ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ክምራሕን ምስ ትምህርቲ ፈፂሞም ርክብ ብዘይብሎም ካድረታት ንኽዳሎ ዝተገበረሉ ኩነታት ምንባሩን ክሳብ
ሕዚ’ውን እንተኾነ ምንም ዓይነት ምምሕያሽ ከይተገብረሉ ይቕፅል ብምህላው ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ብፖለቲካዊ ተኣማንነት
ዝምራሕን ብቕዓት ዘለዎም ምሁራን ወገናት ብምፍንቓል ካድረታት ነቲ ቦታ ክቆፃፀርዎ ኣብ ርእሲ ምግባር ሓደ ንሓሙሽተ ዝብል ኣወዳድባ
ብምፍጣር ኣብ መንጎ ተመሃሮ ናይ ምቅድዳሕ ባህሊ ንኽሰፍንን እኹል ፍልጠት ዝወነነ ተማሃሪ ምፍራይ ንኸይከኣልን ስለ ዝተገብረ ኣብዚ
ዓውዲ ዘሎ ፀገማት ኣዝዩ ዓብይ’ዩ።
ናፅነት መምህራን ኣብ ዝምልከት’ውን እንተኾነ በዓል ዋና ዝሰኣነን ብናፅነት
ክውደብ ከምዘይከኣለን ቅድም ክብል ንዝነበረ ማሕበራት ብምፍርራስ ኢህወደግ ንዕዑ ብዝመስሉ ካድረታት ዝዝወር ማሕበር ክምስረት ብሰንኪ
ምግባሩ ብፍላይ እቲ መምህር መሰሉ ብዘኽብረሉ መንገዲ ክውደብ ዕድል ከም ዘይረኸበን ምስቲ ስርዓት ጥቡቕ ርክብ ብዘለዎም ካድረታት
እናተመርሐ ፈትዩ ፀሊኡ ናይቲ ስርዓት ኣገልጋሊ ንክኽውን ኣብ ዘገድድ ኩነታት ይርከብ።
በተመሳሳሊ መልክዑ ናይ ተመሃሮ ነፃ ማሕበርን ምንቅስቓስን ዝበሃል’ውን
የለን፣ ኣብ ዩኒቨርሲታትንን ካልኦት ላዕለዎት ኣብያተ-ትምህርትን ቅድም እንትብል ንዝነበረ ተነፃፃሪ ናፅነት ዝነበሮ ናይ ተማሃሮ
ምንቅስቓስ ዕድል ንኸይህሉ፤ ዝመሰሎም ከይሓቱን መሰሎም ንምኽባር ኢሎም ንኸይውደቡ፤ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኦም ንኸይሰፍሕን ናይቲ
ስርዓት ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ፈሊጦም ንለውጢ ከይለዓሉን ኮነ ተባሂሉ መሓውራት ትምህርቲ ክዳኸሙ ብምግባር ኽድንዝዙ ተገይሩ’ዩ።
ንምጥቕላል።
-
ኢህወደግ
ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ እዋን ኣቲሒዙ ንመምህራን ንምጉዳእ ኮነ ተባሂሉ ብዘይ ብቑዕ ደመወዝ ንኽሰርሕ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ማለት
ልዕሊ 20 ዓመት ኣብ’ቲ ሞያ ንዝሰርሐ መምህር ምስ ሓደ ናይ ጣብያ ካድረ እንትወዳደር ሲሶ ዝኣክል ደሞዝ እኳ ኣብ ዘይኽፈለሉ፤
-
ኢህወደግ
ንመምሃራን እኹል ናይ ደመወዝ ወሰኽ ከም ዝገበረ ኣምሲሉ ወላ ይዛረብ እተን ወሰኽ ተገይረን ዝተባህላ ግን 73 ብር ጥራይ ምንባረንን
ኣብቲ መምህር ዝነበሮ ንዕቐት ብዝበአሰ መልክዑ ኣብ ዝቕፅለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ተግባር ዝተቓወሙ መማህራን ዝተፈላለየ ስም
እናተለጠፎም ልክዕ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ፅሕፈታት ከም ዝግበር ካብ ስርሖም ይባረሩ ኣብ ዘለሉ መድረኽ ኣብ ሃገርና ጥዕና ዘለዎ
ፖሊሲ ስርዓተ ትምህርቲ ምፍጣር ኣይከኣልን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዜጋታት ናይ ምምሃር ድልየት ጠቕሊሉ ዝቐትል ኣካይዳ ከምዝኾነ ምርዳእ
የድሊ።