Friday, July 24, 2015

ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ኣዉዒሉ ተባሂሉ ንግዝኡ ተታሕዙ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ሓፂር እዋን ብምፍትሑ ድማ ህዝቢ ይቃወም ምህላዉ ተገሊፁ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ይልቃል ኣላምረዉ ንመሰረተ ልምዓት ክዉዕል ተባሂሉ ካብ ዝተበጀተ ገንዘብ፣ ኣስታት 165 ሽሕ ብር ንስራሕ ምኽንያቱ ገይሩ ብምዉፃእ መሕበጢ ጅብኡ ከም ዘዉዓሎ ዝፈልጡ ሰባት ስለ ዘቃልዕዎ፣ ብ5 ሓምለ 2007 ዓ.ም ንዝተወሰነ ሰዓታት ተታሒዙ ከብቅዕ ብዘይ ዝኾነ ምፅራይ  ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ተጓይዮም ክፍታሕ ከም ዝገብሩ ተፈሊጡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ባህርዳር ግዕዝይና ዝፈፀመ በዓል ስልጣን ሕጊ ብዝብሎ መሰረት ክሲ ተመስሪትዎ ጉዳዩ ተፃርዩ ብዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ዉሳነ ክረክብ እናተገብአ፣ ብትእዛዝ ሰበ ስልጣን ብምፍትሑ ኣትሪሮም ኣብ ምቅዋም ከም ዘለዉ፣ ብፍላይ ንግዕዙይ ተግባር ናይ'ቲ በዓል ስልጣን ዝፈልጡ ሸነሺ ይመርን ቴዲ ግርማን ዝተብሃሉ ሰባት ክሳብ ናብ'ቶም ዝፈትሕዎ ኣካላት ከይዶም ናይ ተቓዉሞ ሓሳቦም ከም ዘቕረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።