Tuesday, August 11, 2015

ኣብ ከባቢ ዓብደ ራፍዕ ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ኣምሓራን ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ንብዝሓት ወገናት ጠንቂ ሞት ይኸውን ከም ዘሎ ካብ'ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



    በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ከባቢ ዓብደ ራፍዕ   ብሰንኪ ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ኣምሓራን  ትግራይን ተወሊዑ  ዘሎ  ግጭት  ካብ ክልቲኡ ክልላት ብዙሕ ሰብ ንሞትን ምክልባትን ምቅላዑ ድሕሪ ምግላፅ  ከም ውፅኢቱ  ድማ  ካብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ኢንቨስት ክገብሩ ዝፀንሑ ዜጋታት በቲ ኩነታት ሰጊኦም  ህይወቶም  ንምድሓን  ነቲ ዝጀምርዎ ስራሕ  ክገድፍዎ  ብምግዳዶም  ንከቢድ ክሳራ ከም ዝተቓልዑ ተፈሊጡ።
   ወሲኹ እቲ ሓበሬታ  ካብ'ቶም  ዝጀመርዎ  ስረሕ ዘቋረፁ ኢንቨስተራት ገለ ኣስማት ንምጥቓስ፦ ኣደራጀው ሓጎስ  ዝተብሃለ ወዲ ዓድዋ ዝነበርኦ 3 ትራክተራት ሒዙ ካብቲ ከባቢ ከምዝወፀ ድሕሪ ምግላፅ እቲ  ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክልላት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቕዳው ንምህዳእ ድማ በቲ ገዛኢ ስርዓት ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዘይ ምህላዉ እቲ ግጨት ናብ ዝኸፍአ ኩነታት የምርሕ ምህላዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስግኣቶም ይገልፁ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።