ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ናይ ዉድብ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ)6 ላዕለዎት
ኣመራርሓ ወሲኹ 500 ኣባላት ናይ’ቲ ውድብ ኣብ’ዚ ሰሙን ከም ዝተኣሰሩ ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ ኣመራርሓ ጉርሜሳ ኣያኖ
ናይ’ቲ ውድብ ምክትል ኣቦ ወንበር፤ ኣዲሱ ቡላላ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ፤ ደረጀ መርጋ ናይ’ቲ ዉድብ ስራሕ ኣካያዲ፤ መም/ር ኣለሙ
ኣብዲሳ ፀሓፊ፤ መም/ር ታሪኩ ናይ’ቲ ዉድብ ኦዲተር፤ ኣይተ ደጀኔ ጣፋ ምክትል ዋና ፀሓፊ ከምኡ’ዉን ኣይተ በቀለ ገርባ ቀዳማይ
ምክትል ኣቦ ወንበር ዝርከብዎም ብፖሊስ ገዛኢ ስርዓት ተታሒዞም ከም ዝተኣሰሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ ብጀካ እዞም ዝተጠቐሱ
ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ኦፌኮ ኣብ ዞባታት ዝነበሩ ኣመራርሓ ናይ’ቲ ውድብ ዝተኣሰሩ ከም ዘለዉ፣ ካብ ኣቶም ድማ ኣይተ መስረት
ዳቦ ዞባ ወለጋ ኣመራርሓ፤ ኣህመድ ኢቦ ምብራቕ ኣርሲ ኣመራርሓ፤ ኣይተ ሁሴን ኣምዳ ባሌ ኣመራሓ፤ ኣይተ ደገባስ ዋቀዩ ሆሮ ጉዱሮ
ኣመራርሓ፤ ኣይተ እስማኤል ሁሴንን ኣይተ ያዛቸው ኣብዲሳ ኢለባቡር ኣመራሓ ብፖሊስ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ኣመራርሓ ወረዳታትን ዉልቀ ኣባላትን
ወሲኹ ክሳብ 500 ዝበፅሑ ናይ’ቲ ውድብ ኣባላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከም ዝተኣሰሩን፣ ብጠቕላላ ነቲ ተቓውሞ ስዒቡ ዝተኣሰሩ
ሰባት በዝሒ ክሳብ 4 ሽሕ ምብፅሑ ተገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ልዕሊ 300 ወገናት ኣበይ
ከም ዝኣተዉ ዘይፍለጡ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ፣ በቲ ግጨት ዝቆሰሉ 1500 ዝበፅሑ ተጎዳእቲ ኣብ ወሊሶ ሉቃስ ሆስፒታል፤ ኣብ ቅዱስ
ጳውሎስ ሆስፒታል፤ ኣብ ሚኒሊክን ጥቁር ኣንበሳን ሆስፒታላት ኣትዮም ሕክምንኦም ኣብ ምክትታል ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ።