እቲ
ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙሩያኣ ዝርከባ
ከተማታት ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን ብመሰረተ ልምዓት ምትእስሳር ብዝብል ንዝወፀ ኣዋጅ ተኸቲሉ ዝተለዓለ ተቓውሞ ናብ መላእ
ከተማታትን ገፀራትን ክልል ኦሮምያ ተስፋሕፊሑ ብምቅፅፃሉ ብ25 ታሕሳስ
2008 ዓ/ም ‘ውን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ከም ዝወዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
በዚ
መሰረት እውን ኣብ ምብራቅ ሃረርጌ ትርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ በቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ቀፂሉ ንዝወዓለ ተቓውሞ ንምዕጋት ብርክት ዝበሉ
ፖላዊስ ናብ’ቲ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ሰይሮም ብምእታው ብተኹስን መንብዒ ጋዝን ክብትኑዎ ፈቲኖም ኾነሎም ኣይከኣአልን ክብል ሓደ ሽሙ
ክገልፅ ዘይደለየ ተምሃራይ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ገሊፁ።
ኣስዒቡ
እቲ ተምሃራይ ከም ዘርድኦ፣ ኣብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ተወለድቲ ኦሮሞ ተቓውሞ ንኸየልዕሉ ብኣካልት ፀጥታ እናተፈለዩ ናብ
ፍሉይ ቦታ ናይ’ቲ ዩኒቨርስቲ ይእክብዎም ከም ዝወዓሉ እንትገልፅ፣ ኣብቲ ተቓውሞ ተሳቲፎም ንዝበልዎም ልዕሊ 150 ዝኾኑ ተምሃሮ
ድማ ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ።
ኣብ
መወዳእታ ኣብ’ዚ እዋን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓያል ወጥሪ ነጊሱ ከም ዘሎ ዙርያ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ብርክት ብዝበሉ ሓይልታት ፀጥታ
ተኸቢቡ ብምህላው ዩኒቨርሲቲ ዘይኮነስ ወታደራዊ መሰልጠኒ ማእኸል መሲሉ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።