ብመሰረት
ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ፍትሒ ብሓለፍነት ተቐሚጦም ዝሰርሑ
ሽሞኛታት ገዛኢ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ፣ ስራሕ ሓላፍነቶም ፀግዒ ገይሮም ብምጥቃም ብጥረ ገንዘብን ብዓይነትን ብላዕ ንዘቕረበ
ኣገልግሎት እንትህብዎ፣ ነቲ ብላዕ ዘይሃቦም ተገልጋሊ ድማ ግቡእ ኣገልግሎት ብምኽላእ ብሎሚ ፅባሕ ኣብ ምንክልባትን ፍትሒ ኣብ
ምዝባዕን ተፀሚዶም ስለ ዝፀንሑ ብህዝቢ ተሪር ገምጋማዊ ነቐፌታ ኣብዚ ቅንያት ከም ዝቐረበሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ
ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ናይ'ቲ ወረዳ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኤፍሬም ሃይለ መዓልታዊ ስራሕቱ ምስ ጉቦን ብላዕን
ዝተኣሳሰረ ኣገልግሎት እንተዘይ ኮይኑ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ሕጋዉነት ዘለዎ ስራሕ ከም ዘይሰርሕ፣ በዚ መንገዲ ንህዝብንና መዝሚዙ
ዘይግብኦ ሃፍቲ ኣዋህሊሉ ሕጊ ኣብ ምዝባዕ ተፀሚዱ ዝፀንሐ ሰብ ስለ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዉዒሉ ክሕተት ህዝቢ ሪኢቶ ስለ ዝሃበ፣
መራሕቲ እቲ መድረኽ ንኸምስሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ እኳ እንተገበርዎ፣ ይኹን እምበር ነባሪ ህዝቢ እቲ ሽሞኛ ዝፈፀሞ ጥፍኣት
ተፃርዩ ግቡእ ቅፅዓት ክረክብ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
No comments:
Post a Comment