Thursday, January 28, 2016

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ማእከላይ ዳኛ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዮውሃንስ ገብረመድህን ብግዕዝይና ተጠርጢሩ ንምፅራይ ተኣሲሩ እናሃለወ ንፖላዊስ ጉቦ ሂቡ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ገሊፆም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ቤት ፍርዲ ማእኸላይ ዳኛ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀነሐ ዮውሃንስ ገብረመድህን ዝተብሃለ ሽሞኛ፣ ብግዕዝይና ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክውዕል ድሕሪ ምግባር፣ ኣባላት ፖሊስ ዓጂቦም ናብ ቤት ፍርዲ ይወስድዎ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ነቶም ፖላዊስ 40 ሽሕ ብር  ጉቦ ምስ ሃቦም ሃዲሙ ከም ዘምለጦም ኣምሲሎም ክጠፍእ ከም ዝገበርዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ዮውሃንስ ገብረመድህን ቅድም ኢሉ 'ውን ናይ ፍትሒ ኣካል ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ናይ ዳይነት ስራሕ ብግዕዝይና ምኽንያት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ኣረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ናይ'ቲ ስርዓት ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍፅምዎ ዝፀንሑ ግዕዙይ ተግባሮም ምስ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ስርዓትን ናይ ፀፅታ ኣካላትን ዝተተሓሓዘ  ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣትዮም ክፃርዩ እንተ ተገይሩ እቲ ተግባር ንቡዙሓት ኣካላት ስለ ዝልክም ኮነ ተባሂሉ ብሻጥራዊ መምርሒ ላዕለዎት መራሕቲ ክጠፍኡ ይግበር ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሙሁራት ፖሎቲካ ይገልፁ። 

No comments:

Post a Comment