ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ነዊሕ ኣፍልጦ ዘለዎ፣ ኣብ ውሽጢ
ሃገርና ሃይማኖታዊ ምርኩስ ዘለዎ ኣመፃፅኣ ታሪኹ ድማ ካብ ቀስተ ደመና መፅዩ ዝብል ኣበሃህላ ታሪኽ ዘቐመጠ ሰንደቕ ዕላማና መግለፂ
ሃገራዊ መንነትና እዩ። ስለዚ እዚ መንነት እዚ ንኹሎም ብሄር ብሃረሰባት ዝውክል ባንዴራ ደኣ ‘ምበር ንስርዓት ኢህወዴግ ዝውክል
መተልበብ ኣይኮነን። ባንዴራና ኢትዮጵያውነትና መግለፂ ደኣ ‘ምበር መግለፂ ሓደ ስርዓት ኣይኮነን።
ብመሰረቱ ኣብ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ክበሃል እንከሎ ግድን እዩ ናይ ባዕሉ ኣፈላላይ
ክህልዎ። ምኽንያቱ ሓደ ከባቢ ናይ ባዕሉ ልምድን ባህልን ኣለዎ፤ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ ኣነባብራ ኣለዎ። ናይ ባዕሉ መበቆል ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ ናይ ባዕሉ መሰረታዊ ኣቀማምጣ ኣለዎ። ምእንቲ እዙይ እዩ ድማ ኣብ ሃገርና ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊሉ።
ዓበይቲ ሃርበኛታት
ወለድና ምእንቲ ሃገሮም፤ ምእንቲ ህዝቦም መስዋእቲ ከፊሎም፤ ሰንኪሎም ምእንቲ ሃገራዊ መንነቶም ረዚን ዋጋ ከፊሎም፣ ሰንደቕ ዕላማ
ሃገርና ንዝንተእለት ሓፍ ኢላ ክትምብልበል ገይሮም እዮም። ይኹን ደኣምበር እዚ ስርዓት ነዚ ረዚን ዋጋ ዝረሰዖ ይመስል።
ክንዝክር እንከለና፣ ኣብ ሃገርና ምእንቲ ሃገራዊ ክብሪ ብዙሕ ግዜ ውግኣት
ተኻይዶም እዮም። ኣብዚ ዝተኻየደ ውግእ ማእለያ ዘይብሉ ቆፂርካ ዘይውዳእ መስዋእቲ ተኸፊሉ ኣብ ላዕሊ ትምብልበል ዝነበረት ባንዴራ
ሓንቲ እያ። ምኽንያቱ ሓንቲ ሃገር ሓንቲ ባንዴራ ጥራሕ ስለ ትውንን ሓንቲ ባንዴራ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንዝርከቡ ህዝብታት መንነቶም
ትገልፀሎም እምበር መለመንን መሸቀጥን ኣይኮነትን ።ኣብ ህዝብታት ሽሕ ግዜ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ይፈጠር ናይ መንነት ክብሪ ግን
ኣይቕንጠጥን።
ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ውሽጡ ሕቶ ህዝቢ ከይመለሰ ኣብ ሃገር ማእኸል ናይ
ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ብማዕርነትን ብሓድነትን ንምንባር ዘለዎም ተስፋ ዘንፀባርቕ ሰንደቕ ዕላማ እናምበልበልኩ እየ ኢሉ
ዝዛረበሉ ዘሎ ዘይረብሕ ተግባር፣ ንባዕሉ ከም ፖለቲካ ኢሉ 'ውን ከም ስርዓት ኣብ ውሽጡ ዘይተፈትሐ ግድል ከም ዘለዎ ዘረድእ እዩ።
ሃገራዊ መንነት ብምትላል ዝግለፅን ዝንፀባረቕን ዘይኮነስ ብቕንዕና መን ብኸመይ
ይግለፅ፤ ኣበይ እንታይ ተሰሪሑ ዝተዓየየ ዕዉት ሃገራዊ ፍፃመ ዘኹርዕ ጅግንነት ከም ሰብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘጎናፀፈ ምዕሩይ ኣተሓሳስባ
ዝተሞርኮሰ ፍፁማዊ ሓቂ ዝተላበሰ ታሪኻዊ ኩነት ደኣ’ምበር ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓኻ ኢልካ እትገብሮ ፖለቲካዊ ምንክብላል ኣይኮነን።
ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ብመሰረቱ ሰፊሩ ዘሎ ኣርማ ቆላሕታ ዝገብረሉ ዝተምሃረ
ሰብ’ዶ የለን ዘብል ሓሳብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣርማ ናይቲ ስርዓት መግለፂ ፖለቲካ ንኢህወደጋውያን እዩ ዝገልፅ እምበር ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኣይገልፅ። ንምንታይ’ሲ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት ስርዓት ኢህወዴግ ማለት ኣይኮነን:
በቲ በለ በቲ ንብሄር ብሄረ ሰባት ተስፋአን እናፀልመተ ከምኡ’ውን መንእሰይ
ወለዶ ሃገርና እናፅነተ ምእንቲ መንነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ኣብ ፎቖዶ ኣኽራናት ዓፅመ ስጋኦም ረጊፁ ስልጣን ኣብ
ኢዱ ምስ ጨበጡ ገባሪ ሓዳጊ ምስ ኮነ፣ ህይወት ብምኽፋል ዝተረኸበ ክቡር ዝዋግኡ መንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዓፈነ ሎሚ ነዚ በዓል
እንታይ ኢሉ እዩ ከኽብሮ ዝብል ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ እዩ ፀኒሑ። ስርዓት ኢህወዴግ ግና ከይሓፈረ ራእይ ሰኒቕና ንዝለዓለ ዓወት ተላዒልና ኣለና ብዝብል
መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ ብጓይላን ዳንኬራን እናኽበሮ ይርከብ።
ኣብዚ ዝሓለፈ
ዓመት ዋላ ክሳብ ሐዚ 'ውን ዝቕፅል ዘሎ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ናይ መንነት ሕቶ ኣልዒሎም ኢህወዴግ ዘይመለሶ ናይ መንነት
ሕቶ የለን ዝብል ድፉን መልሲ ተዋሂቡዎም ተረጊፆም ብዘይድሌቶም ይመሓደሩ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፤ እቶም ነዚ መልሲ’ዚ ኣይንቕበልን
ኢሎም ነቲ ስርዓት ብተቓዉሞ ዘናወፁዎ ከም እኒ ቅማንት ዝኣመሰሉ ማሕበረሰባት ድማ ናብ ሪፈረንደም ክኣትዉ ብምግባር ስርዓት ኢህወዴግ
ከም ኣመሉ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ሃገራዊ መረፃታት ዝገብሮ ዝነበረ ሽርሕታት ሐዚ 'ውን ዝተፈላለዩ ሜላታት እናተጠቐመ ትኽክለኛ ድምፂ
ህዝቢ ዘይተንፀባረቐሉ ውፅኢት ኣስሚዑና እዩ።
ማሕበረሰብ ቅማንት እዚ ኩሉ ካብ ኣምሓራ ተነፂልና ባዕልና ንባዕልና ክንመሓደር
ኣለና ኢሎም ሰፋሕቲ ተቓዉሞታት እናገበሩ ብዓይንና ብእዝንና እናሰማዕና ፀኒሕና ሎሚ ድማ ካብ ሸሞንተ ጣብያታት እተን ሸውዓተ ጣብያታት
ከም ዝነብርናዮ ኣብ ውሽጢ ክልል ኣምሓራ ተጠርኒፍና ክንቅፅል ኣለና ዝብል ድምፂ ሂቦም ዝብል ውሳነ ኣስሚዑ ኣሎ።ንሓቅነቱ ብዙሕ
ከይተሃወኽና ኣብ ከይዲ ክንፅረልና እዩ።
ኣብ መንጎ ብሄር
ብሄረ ሰባት ዘጋጥም ዘሎ ጎነፅን ኢህወዴግ ድማ ባዕሉ ሓዊ እናለኮሰ ባዕሉ ድማ መጥፍኢ ሓዊ ኮይኑ ዓራቒ መሲሉ ላዕልን ታሕትን
ክብል ምርኣይ ሓድሽ ዜና ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማሌን ዘጋጠመ ግጭት ብዙሓት ወገናት ንሞትን
መቑሰልትን እንትቃልዑ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ድማ መረበቶም ገዲፎም ተፈናቒሎም ብዙሕ ስቓይ በፂሑዎም እዩ።
ስለዚ ባንዴራ
ክበሃል እንከሎ መሰረቱ ኣብ ነፃ ሃገር፣ መሰልን ዴሞክራስን ናይ ዜጋታት ኣብ ዝተኸበረሉ፤ ሓድነት ብሄራት ኣብ ዝተረጋገፀሉ፣ መንነት
ህዝቢ ንምግላፅ ደኣ እምበር ናይ ሓደ ፓርቲ መግለፂ ፖለቲካዊ ነፀብራቕ ኣይኮነን።
No comments:
Post a Comment