Friday, March 22, 2013

ብዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሚክኤለ ኣብርሃን ምክትሉ ደጀን በርሀን ዝተመርሐ ህዝባዊ ረብሓ ዘይብሉ ናይ ሸሞንተ ወረዳታት ካብኔ ዝተረኸብሉ ኣኼባ። ካብ 2 ክሳብ 4 መጋቢት 2005 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሽረ ከም ዝተኻየደ ተገሊፁ፣



ኣብ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ናይቲ ዞባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብካብኔ ወረዳታት ዝተለዓሉ ነጥብታት።-
1. ህዝቢ ኣብ ምሕደራ እምነት ብምስኣኑ ካብ መንግስቲ ይርሕቕ ኣሎ። ንመረፃ ይኹን ሓመድን ማይን ዕቀባ ተበግሶ ይኹን ተሳታፍነት የብሉን። ነዚ ብወገን ናይ ወረዳ ካብኔታት እንታይ ተሰርሑ።?
2. መምሃራን ካብ ዝሓለፉ እዋናት ፍልይ ብዝበለ ስራሕ እናራሕርሑ ይኸዱ ኣለዉ። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ? ቅድሚ ሕዚ ተማሃሮ ይተርፉ ኣለዉ። የቋርፁ ኣለዉ እዩ ዝበሃል ኔሩ። ሎሚ ብርክት ዝበሉ መምህራን ሂወቶምን ሂወት ስድርኦምን ዝመርሕሉ ስራሕ ገዲፎም ምዉፅኦም እቲ ጠንቂ እንታይ እዩ።?
3. ብሰንኪ ኣከፋፍላ ግብሪ ህዝቢ ካብ መንግስቲ ርሕቑ ኣሎ። ብኸመይ ክንስሕቦ ንኽእል።?
4. ክትትል ፀጥታ ኣብ ዝምልከት ብሞባይልን ናይ ገዛን ቴሌፎናትን ናብ ሰበ-ስልጣናት እናተደወለ መዓልታዊ ይፅረፉ ኣለዉ። ብኸመይ ክንቆፃፀሮ ንኽእል።? ዝብሉን ካልኦት ዘይተጠቐሱ ነጥብታትን ብኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ናብ’ቶም ተኣከብቲ ካብኔ ወረዳታት ካብ ዝቐረቡ ቀንዲ መዘራረቢ ኣጀንዳታት እዮም፣
ብጀካ እዚ ኣብቲ ኣኼባ።-
1. ኣብ ሆስፒታል ምድረ-ገነት /ስሑል ሆስፒታል / ዓቕሚ ዘለዎም ሓካይምን ናይ መድሓኒትን ፅሬት የለን። ስለ ዝኾነ ከዓ ህዝቢ ነቲ መንግስታዊ ሕክምና ገዲፉ ኣብ ናይ ዉልቀ ሕክምና እናኸደ ይሕከም ኣሎ። ህዝቢ ዓቕሚ ዘለዎ ሓኪምን ፅሬት ዘለዎ መድሓኒትን ብዘይምህላዉ ይሽገር ኣሎ። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ።?
2. ኣብ ዉሽጢ ሃይማኖታት ሃገርና ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎነፃት እናተጋደደ ይኸድ ኣሎ። ብሰንኩ ብዝተወልዑ ባእስታት ንብረት ህዝብን ሃገርን ይጠፍእ ሰብ ይእሰርን ይመዉትን ኣሎ። ነዚ መንግስቲ ብኣግባቡ ተቖፃፅሩ ንምንታይ ነባራይ ፍታሕ ክገብረሉ ዘይከኣለ።? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ብኣባላት ካብኔ ወረዳታት ቀሪቦም ኣካል ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ኮይኖም ዝተዘተየሎም እንትኾን። ኮይኑ ግና ብጀካ ዕድመ ናይቲ ስርዓት ንምሕላዉ እዙይ ዝበሃል ንህዝብን ሃገርን ዝረብሕ ፍታሕ ከም ዘይተገብረሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣