ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ካብ’ቶም ብላዕ ብዘይምሃቦም ብዓቓቢ ሕጊ ተኸሲሶም እስራት ዝተፈረዶም ሓደ ኣይተ ሃይለ ሃኺ ወናኒ መኽዘን ምዃኑ ድሕሪ
ምግላፅ ዓቃቢ ሕጊ ግብሪ ኣይከፈልካን ከም’ዉን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ተነኣእስ ኢኻ ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ መስሪቱ ብምቕራብ ምስ ቤት ፍርዲ ተመሻጢሩ ን12 ዓመት ንኽእሰር ከም
ዝገበረ ተፈሊጡ።
እቲ ዘለዎ ሓላፍነት ተበሊፁ ብዉልቃዊ ቂሙ ምኽንያት እናፈጠረ ዜጋታት ክእሰሩን
ክከላበቱን ኣብ ምግባር ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሕጊ ቴድሮስ ባየ በቲ
ዝፍፅሞ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ብነበርቲ ከተማ ሑመራ ተቓውሞታት
ይበፅሖ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ከተማ ሑመራ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ኣኼባ
ብኣማሓደርቲ እቲ ዞባን ከተማ ሑመራን 20 ሄክተር መሬት ዘለዎም ናብ ኢንቨስተርነት ክሰጋገሩ ኣለዎም ዝብል ዘይቁኑዕ ትእዛዝ
ከም ዝተዋሃበ ተሓቢሩ።
ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ 20 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ዘለዎ 400 ሽሕ ብር ኣብ ባንኪ
ከትሕዙ ኣለዎ እንተዘየትሒዙ መሬቱ ከም ዝምንጠል ምግላፁ ከምኡ’ውን መሬት ዘለዎ መራሒ ስድራ ካብዛ ዓለም ብሞት
እንተተፈልዩ እቲ ብሽሙ ዝፍለጥ ስድራ ዝመርሐሉ ዝነበረ ስድርኡ ክወርስዎ ከምዘይኽእሉ መምርሒ ምውፅኡ ንዝተርፉ ቖልዑን መላእ
ስድራን ንሓደጋ ዘቃልዕን ናይ ህዝቢ ተገዳስነት ካብ ዘይብሉ ስርዓት እትፅበዮ ተግባር እዩ ክብል ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ብምግራም ይዛረበሉ ከምዘሎ ካብታ ከተማ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት።